Fana: At a Speed of Life!

ጃፓን ኣብ ፉኩሺማ ዝተበከለ ማይ ናብ ውቅያኖስ ንምስዳድ ዝቐረበ ትልሚ ኣፅዲቓ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 5 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ጃፓን ኣብ ጣቢያ መብላዕልዒ ኒኩሌር ፉኩሺማ ዝተበከለ ማይ ናብ ውቅያኖስ ንምስዳድ ዝቐረበ ትልሚ ኣፅዲቓ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን እቲ ማይ ናብ ውቅያኖስ ንምስዳድ ዘኽእል ትልሚ ፈላማይ ተቐባልነት ዝረኸበ እንትኸውን፥ ሙሉእ ብሙሉእ ተግባራዊ ንምግባር ግን ዓማውቲ ክወስድ ከምዝኽእል ተሓቢሩ፡፡

ሰብ መዚ እታ ሃገር እውን ካብ ጣቢያ መፈልፈሊ ሓይሊ ኒኩሌር ዝወፅእ ማይ ናብ ውቅያኖስ ናይ ምስዳድ ከይዲ ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ክጅመር ከምዝኽእል ገሊፆም፡፡

እቲ ማይ ቅድሚ ምስዳዱ ድማ ኣድላዪ ከይዲ ምፅራይ ክግበረሉ ኢዩ ተባሂሉ፡፡

ይኹን እምበር እቲ ጃፓን ዘፅደቐቶ ትልሚ ካብ ብዙሓት ኣካላት ተቓውሞ የተኣናግድ ኣሎ፡፡

ኢንዱስትሪታት ገፈፍቲ ዓሳ እታ ሃገር ሓዊሱ ጎረባብቲ ሃገራት፤ እቲ ትልሚ ሓደገኛ ኢዩ ክብላ ተቓዊሞአን ኣስሚዐን፡፡

ደቡብ ኮሪያን ቻይናን ብግደአን፥ “ቶኪዮ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ክትሓስበሉ ይገባእ” ክብላ መጠንቀቕታ ዝሓዘ ርኢቶ ሂበን፡፡

ኣሜሪካ ብኻሊእ መዳይ፥ ጃፓን ዓለም ለኸ መለክዒ ድሕንነት ኒውኩሌር ብዘማለአ መልክዑ ትልማ ክትፍፅም ትኽእል ኢያ ክትብል ድጋፋ ሂባታ፡፡

ፍልፍል፦ ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.