Fana: At a Speed of Life!

ደቡብ ኣፍሪካ ልዑል ቁፅሪ ሕሙማት ቫይረስ ኮሮና ኣመዝጊባ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢሲ)ደቡብ ኣፍሪካ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓት ልዑል ቁፅሪ ሕሙማት ቫይረስ ኮሮና ከምዘመዝገበት ተሓቢሩ።

ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ብዝተገበረ ምርመራ፥ 13 ሺሕን 992 ሓደሽቲ ሕሙማት ኮቪድ-19 ከምዘመዝገበት ዝተገለፀ እንትኸውን፥ ብሓፈሻ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ቁፅም 3 ሚሊየን 180 ሺሕን 785 በፂሑ ተባሂሉ።

ዝተገበረ ምርመራ ሓፈሻዊ በዝሒ ህዝቢ እታ ሃገር 31 ሚኢታዊ ዝውክል እንትኸውን፥ ሚኒስቴር ጥዕና እታ ሃገር ብፀውፀኦ ፀብፃብ ሓፈሻዊ ቁፅሪ መወትቲ 90 ሺሕን 148 ከምዝበፅሐ ገሊፁ።

ኣብ ዝተፈላለዩ ግዝኣታት እታ ሃገር ብዝተገበረ ምርመራ መሰረት ድማ ጋውቴንግ 48 ሚኢታዊን ክዋዙሉ-ናታል 19 ሚኢታዊን ብምምዝጋብ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ብምምዝጋብ ዝለዓሉ ኮይኖም ተመዝጊቦም።

ፕሬዚዳንት እታ ሃገር ሲሪል ራማፎዛ በቲ ቫይረስ ተታሒዞም ንባዕሎም ብምግላል ክትትል ሕክምና እናገበሩ ይርከቡ።

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.