Fana: At a Speed of Life!

ኣገልግሎት ምዝገባን ምርግጋፅን ሰነዳት 715 ሺሕን 324 ጉዳያት ብምትእንጋድ ልዕሊ 1 ነጥቢ 8 ቢሊየን ብር ረኺቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣገልግሎት ምዝገባን ምርግጋፅን ሰነዳት 715 ሺሕን 324 ጉዳያት ብምትእንጋድ ልዕሊ 1 ነጥቢ 8 ቢሊየን ብር ከምዝረኸበ።

እቲ ኣገልግሎት ኣብ ዝሓለፉ 9 ኣዋርሕ ብዝተፈላለዩ ዓውዲታት 715 ሺሕን 324 ጉዳያት ዘተኣናገደ እንትኸውን÷ ን1 ሚሊየን 237 ሺሕን 329 ተገልገልቲ ድማ ኣገልግሎት ምሃብ ከምዝኸኣለ ተገሊፁ፡፡

ብካሊእ መዳይ 1 ሺሕን 200 ናይ ሕሶት ሰነዳት ኣብ ረብሓ ከይውዕሉ ከምዘተገበረ ዝሓበረ እቲ ኣገልግሎት÷ ካብ ሞንጎ እዚኣቶም 987 ናይ ሕሶት መለለዪ መንነት (መታወቂያ)፤ 165 ድማ ናይ ዘይተመርዐወ መረዳእታታ ከምዝኾኑ ገሊፁ።

ብዝተፈላለዩ ዓውዲታት ኣገልግሎት 1 ነጥቢ 4 ቢሊየን ብር ኣታዊ ንምርካብ ተሓሲቡ÷ 1 ነጥቢ 857 ቢሊየን ብር ከምዝተረኸበ ሓበሬታ እቲ ኣገልግሎት የመላኽት፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.