Fana: At a Speed of Life!

ቤላሩስ ወሳኒት ስትራቴጂካዊት መሓዛ ኢያ – ሚኒስቴር ምክልኻል ሩሲያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤላሩስ ወሳኒት ስትራቴጂካዊት መሓዛ ኢያ ክብሉ ሚኒስትር ምክልኻል ሩሲያ ሰርጌይ ሾይጉ ገሊፆም።

ቤላሩስን ሩሲያ ብሓባር ኣብ ጉዳይ ወታደራዊ ትልሚታትን እዋናዊ ጉዳያትን ኣድሂቦም መድረኽ ዘተ ኣካይዶም፡፡

ሚኒስትር ምክልኻል ሩሲያ ሰርጌይ ሾይጉ ኣብቲ እዋን ዘተ፥ ምዕራብ ዓለም እናኣወጆ ዝርከብ ቀጥተኛ ዘይኮነ ኲናት ንምምካት ሞስኮን ሚንስክን ወታደራዊ ዓቕመን ንምጥንካር ወሳኒ ስጉምቲ ክወስዳ ከምዝግባእ ገሊፆም፡፡

“ቤላሩስ ወሳኒት ስትራቴጂካዊት መሓዛና ኢያ” ዝበሉ እቶም ሚኒስትር፥ ኣብዚ ሕዚ እዋን ዘይተኣወጀ ኲናት ምዕራባውያን ንምምካት ኣብ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ክልተኣዊ ርክብ እናተጠናኸረ ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

“እቲ ኩነታት ክልቲአን ሃገራት ወታደራዊ ዓቕመን ንምጥንኻር ኣድለይቲ ስጉምቲ ክወስዳ ከምዘለወን ዘመልክቱ ኢዮም” ኢሎም እቶም ሚኒስትር፡፡

ብምዃኑ ሩሲያ ስርዓት ምክልኃል ኣየር ሓዊሱ ቤላሩስ ዘድልያ ወታደራዊ ሓገዝ ንምግባር ድልውቲ ምዃና ምርግጋፆም ኣርቲ ፀብፂቡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.