Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያን ደቡብ ኮርያን ሰነድ ስምምዕነት ሓገዝ 27 ነጥቢ 6 ሚሊየን ዶላር ተፈራሪመን

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኢትዮጵያን ደቡብ ኮርያን ንዝተፈላለዩ ፕሮጀክታት ልምዓት ዝውዕል ሰነድ ስምምዕነት ሓገዝ 27 ነጥቢ 6 ሚሊየን ዶላር ተፈራሪመን።

ክልቲአን ሃገራት ሰለስተ ሰነድ ስምምዕነታት ኢየን ተፈራሪመን።

እቲ ስምምዕነት ኣብ ሽዱሽተ ዓመት ዝፍፀምን ኣብ ኢትዮጵያ ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊን ልምዓትን ንምጥንኻር ዝወውዕል ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ብመሰረት እዚ እቲ ፈላማይ ስምምዕነት ኣብ ኢንፎርሜሽን ኮሙዩኒኬሽን ቴክኖሎጂ መሰረት ዝገበረ ፈጠራ ስራሕን ደቀቕቲን ኣናእሽተይን ኢንተርፕራይዛት ንምሕጋዝ ዝውዕል ኢዩ ተባሂሉ።

እቲ ስምምዕነት ካብዚ ተታሒዙ ዘሎ ዓመት ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 2020 ክሳብ 2025 ተግባራዊ ዝኸውን እንትኸውን፥ ንመፈፀሚ እቲ ተግባር ድማ 10 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ በጀት ከምዝተትሓዘሉ ካብ ሚኒስትር ገንዘብ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እቲ ካልኣይ ስምምዕነት ድማ ብሸሞንተ ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ዝስራሕን ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ዓመት ተግባራዊ ከምዝኸውንን ተገሊፁ።

እቲ ስምምዕነት ኣብ ምዕባይ ህንፀት ዓቕሚ ኣመራርሓታትን ሰልጠንቲን ትካላት መሰልጠኒ ቴክኒክን ሞያን ክውዕል ኢዩ።

እቲ ሰሳልሳይ ስምምዕነት ኣብ ክልላት ቤንሻንጉል ጉሙዝን ዓፋርን ዝርከቡ ህፃናት ጥዕነኦም ንምሕላው ዝውዕል ሓገዝ ገንዘብ ምዃኑ ተገሊፁ።

እዋናውን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.