Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ ብቫይረስ ኮሮና ዝተተሓዙ ተወሰኽቲ 142 ሰባት እንትርከቡ 3 ሰባት ድማ ህይወቶም ስኢኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ግንቦት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ኣብ ልዕሊ 4 ሽሕን 120 ሰባት ብዝተገበረ ምርመራ ላቦራቶሪ ብቫይረስ ኮሮና ዝተተሓዙ ተወሰኽቲ 142 ሰባት ከምዝተረኸቡ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።

ሰለስተ ሰባት ድማ ህይወቶም ከምዝሓለፈ ተገሊፁ።

እቶም በቲ ቫይረስ ምትሓዞም ዝተረጋገፁ ሰባት 140 ኢትዮጵያውያን እንትኾኑ፥ ክልተ ሰባት ድማ ዜጋታት ፖርቹጋልን ጂቡቲን ከምዝኾኑ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ገሊፀን።

በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ዕድሚኦም ካብ 7 ክሳብ 78 ከምዝኾኑ ዶክተር ሊያ ሓቢረን።

እቲ ቫይረስ ካብ ዝተረኸቦም ሰባት 126 ካብ ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሰባት ካብ ክልል ኦሮሚያ፣ 6 ካብ ክልል ኣምሓራ፣ 2 ካብ ክልል ዓፋር ከምኡ̕ውን ሓደ ሰብ ካብ ክልል ሶማሌ ከምዝኾኑ እተን ሚኒስትር ኣፍሊጠን።

ብመሰረት እዚ ክሳብ ሐዚ ብዝተገበረ ምርመራ ቁፅሪ እቲ ቫይረስ ዝተረኸቦም ሰባት 1 ሺሕን 486 ከምዝበፅሐ ዶክተር ሊያ ታደሰ ገሊፀን።

ብኻሊእ መዳይ ክትትል ሕክምና እናተገበረሎም ዝነበረ ሰለስተ ተሓከምቲ ህይወቶም ከምዝሓለፈ ተገሊፁ።

እቶም ህይወቶም ዝሓለፈ ሰባት፥ ሓንቲ ጓል 71 ዓመት ነባሪት ከተማ ኣዲስ ኣበባ፣ ወዲ 46 ዓመት ነባሪ ክልል ኦሮሚያ፣ ከምኡ እውን ወዲ 40 ዓመት ነባሪ ክልል ደቡብ ከምዝኾኑ እተን ሚኒስትር ኣፍሊጠን።

ብሓፈሻ በቲ ቫይረስ ተለኺፎም ህይወቶም ዝሓለፉ ሰባት ናብ 17 ክብ ክብል ክኢሉ ኣሎ።

ትሽዓተ ሰባት ካብ ክልል ሶማሌ፣ ሽዱሽተ ሰባት ካብ ኣዲስ ኣበባ፤ ብድምር 15 ሰባት ካብቲ ሕማም ዝሓሾም እንትኸውን፥ ኣብ ኢትዮጵያ ክሳብ ሐዚ 246 ሰባት ከምዝሐሾም ተሓቢሩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.