Fana: At a Speed of Life!

መርሃ ግብሪ ምሃብ ስልጠና ላዕለዎት ኣመራርሓታ ፓርቲ ብልፅግና ኣብ ኣዳማ ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)መርሃ ግብሪ ምሃብ ስልጠና ላዕለዎት ኣመራርሓታ ፓርቲ ብልፅግና ኣብ ኣዳማ ይካየድ ኣሎ።

ኣብ ከተማ ኣዳማ ኣዳራሽ ገልማ ኣባ ገዳ ምክያድ ዝጀመረ እቲ ስልጠና፥ ክሳብ 2 ለካቲት 2012 ዓ.ም ከምዝቕፅል ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ኣይተ መለስ ኣለሙ ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ ኣፍሊጦም።

ኣብ መኽፈቲ እቲ ስልጠና ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ተረኺቦም።

እቲ ፓርቲ ካብ ውድብ ኢህወዴግ ናብ ሃገራዉ ውሁድ ፓርቲ ድሕሪ ምስግጋሩ ኣብ ዛዕባ ምንነትን ኣተሓሳስባን ፓርቲ ብልፅግና ኣድሂቡ በቢብኩ ንዝርከቡ ላዕለዎት ኣመራርሓታት ዝወሃብ ስልጠና ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ብተወሳኺ ኣብ ዝተጀመረ ሃገራዊ ለውጢን ምስቲ ለውጢ ተተሓሒዞም ዝተወሰዱ ስጉምቲታት፣ ዝተረኸቡ ዓወታትን ቀፃሊ ስግኣታትን ብዝምልከት ኣመራርሓታት እቲ ፓርቲ ናይ ተግባር ሓድነት ክህልዎም ንምግባር ዓሊሙ ዝተሰናድአ ምዃኑ እውን ኣይተ መለስ ገሊፆም።

ኣብ ኢትዮጵያ ዝተጀመረ ሃገራዊ ለውጢ ምንነቱ፣ ባህሪኡን ዝተረኸቡ ዓወታትን ብግቡእ ብምግንዛብን ብምስፍሕፋሕን ከምኡ እውን ዘጋጠሙ ፀገማት ምፍታሕ ዝብሉ ዛዕባታት ኣጀንዳ እቲ ዘተ ከምዝኾኑ ኣብሪሆም።

ኣብቲ ስልጠና ካብ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራን ብልፅግና ክሳብ ፖለቲካዊ ብልፅግና ዘለዉ ርእዮተ ኣለማዊ ኣተሓሳስባታትን ሓሳባትን ብዝምለከት ብዕምቆት ክዝተየሉ ኢዩ ተባሂሉ።

ን17 መዓልቲታት ኣብ ዝፀንሕ ስልጠና ልዕሊ 2 ሺሕ ላዕለዎት ኣመራርሓታት ክሳተፉ ኢዮም።

ብሶዶ ለማ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.