Fana: At a Speed of Life!

መበል 16 ሓበራዊ መድረኽ ኮሚሽን ሚኒስትራት ኢትዮ-ጅቡቲ ተዛዚሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ንክልተ መዓልቲታት እናተኻየደ ዝፀንሐ መበል 16 ሓበራዊ መድረኽ ገምጋም ኣፈፃፅማ መንፈቕ ዓመት ኮሚሽን ሚኒስትራት ኢትዮ-ጅቡቲ ብስምምዕነት ተዛዚሙ።

ኣበቲ መድረኽ ኣብ ስምምዕነት ዝተበፅሐሎም ጉዳያት ከምኡ እውን ኣብ እዋን እቲ ስምምዕነት ብክልቲኡ ወገን ክትትል ተገይሩሎም መፍትሒ ክወሃበሎም ኣንፈት ዝተቐመጠሎም ጉዳያት ኣፈፃፅመኦም ገምጊሙ፡፡

ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ኩለመዳይ ማዕቐፋት ምትሕብባር፣ ኣብ ኢንቨስትመንትን ዘይሕጋዊ ናይ ጠረፍ ንግዲን፣ ኣብ ዘሕይጋዊ ዝውውር ሰባት፣ ኣብ ዓውዲታት ትራንስፖርትን ሎጅስቲክን ዘተ ተገይሩ፡፡

ብፍላይ ኣብ ኣፈፃፅማ ህንፀት መገዲ ዲኪል – ጋላፊን ፈንድ ክፍሊት መገዲን፣ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ወደብን ትራንዚትን ከምኡ እውን ኣብ ኣወሃህባ ኣገልግሎት ጉምሩኽ ዘለዉ ማሕለኻታት ንምፍታሕ እናተገበሩ ዝርከቡ ፃዕሪታት ናይ ሴክተራት ምትሕብባርን ዝተረኸቡ ምላሻትን ምኽክር ከምዝተገበረ እውን ተገሊፁ፡፡

እዚ መበገሲ ብምግባር ድማ ኣብ ሞንጎ እተን ሃገራት ቅድሚ ሕዚ ዝተፈረመ ግልጋሎት ወደብን ትራንዚት፣ ስምምዕነት ፕሮቶኮል ጉምሩኽን ስምምዓት መልቲሞዳልን ንምምሕያሽ ናይ ቴክኒክ ኮሚቴታት ተጣይሾም ኣብ ዝመፅእ ሓምለ 2016 ዓ.ም ኣብ ጅቡቲ ዝካየድ መበል 17 ሓበራዊ መድረኽ ምኽክር ሚኒስትራት ዝግበረሎም ናይ ትኹረት ኣንፈታት ብምቕማጥ እቲ መድረኽ ብስምምዕነት ተዛዚሙ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.