Fana: At a Speed of Life!

መዓልቲ ሰማእታት  ኣስተውዒልና ነኽብር መስዋእትነቶም ንዘክር-ዶ/ር ኣብርሃም በላይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሰነ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ዋና ፈፃሚ ስራሕ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዶ/ር ኣብርሃም በላይ ብምኽንያት መዓልቲ ሰማእታት  መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

መዓልቲ ሰማእታታት እንትነኽብር ንሐዚን መፃኢ ወለዶን ለለዎ ቴማን ረብሕኡን እንትንርእይ፥ ንፍትሒ፣ ንማዕርነትን ነፃነትን ክብሉ ዝኸፈልዎ መስዋእትነት ሂወት ሰብ ዕዳ ምዃንና ንምግላፅ ኢዩ።

ከምኡ እውን ኣብ ቀፃሊ ስውኣትና ዝተቓለስዎ ግፍዒን በደልን ዳግም ከይፍጠር ንምክልኻል ዘለና ፅንዓትን ቆራፅነትን ብምርግጋፅ፣ መስዋእትነቶም ንምኽባር፤ መተካእታ ዘይብላ ህይወቶም ንምዝካር እዩ ኢሎም።

ብተወሳኺ ስውኣት ክቡር ሂወቶም ዝገበርሉ ናፅነት፣ ሰላም፣ ፍትሒን ማዕርያዊ ተረባሕነትን ከይተነከዩ እናተሓለዉ ምዃኖም ምርግጋፅ ንመስዋእትነት ሰማእታትና ገዚፍ ትርጉም ስለዝህበና እዩ ኢሎም።

ስለዝኾነ መዓልቲ ሰማእታት  አስተውዒልና ነኽብር መስዋእትነቶም ንዘክር ክብሉ መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም ክብል ኤመሓት ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.