Fana: At a Speed of Life!

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣይተ ደመቀ መኮንን ምስ ኣምባሳደር ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ ዛሆ ዢዩዓ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 6 ጥረ ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣይተ ደመቀ መኮንን ምስ ኣምባሳደር ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ ዛሆ ዢዩዓ ተዛቲዮም።

ኣብ ዘተኦም ድማ ብዛዕባ ለበዳ ቫይረስቾሮና፣ ግድብ ህዳሰን እዋናዊ ኩነታት ትግራይን ብፍላይ ኣብቲ ክልል ዘለዉ ሓደሽቲ ክስተታት ኣድሂቦም፡፡

ኣይተ ደመቀ ፋውንዴሽን ጃክማ ሓዊሱ መንግስቲ ቻይናን ኩባኒያታትን፤ ኢትዮጵያ ለም ለኸ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ንምዕጋት ኣብ ዝገበረቶ ፃዕሪ ንዝገበረተቶ ሓገዝ ኣመስጊኖም፡፡

ብተወሳኺ ድማ ቻይና ንህንፀት ሓደ ሓደ ፕሮጀክታት ዝሃበቶ እዋን እፎይታ ልቓሕ፥ ኢትዮጵያ ፅዕንቶ ኮቪድ-19 ንምክልኻል ኣብ ትገብሮ ፃዕሪ ክቕፅል ኢዩ ዝብል እምነት ከምዘለዎም ገሊፆም፡፡

እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ቻይና ንኣፍሪካዊ ፀገማት ኣፍሪካዊ መፍትሒ ዝብል መምርሒ ተኸቲላ ኣብ ልዕሊ ግድብ ህዳሰ ዝሓዘቶ ቅዋም ንኢዶም፡፡

መንግስቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝወሰዶ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ዝምልከት መብርሂ ዘሃቡ ኣይተ ደመቀ፥ እቲ ወፍሪ ብዓወት ምዝዛሙ ብምፅራሕ መንግስቲ ኣብ እዋን እቲ ወፍሪ ንዝተጎድኡ ወገናት ሰብኣዊ ሓገዝ ንምብፃሕ እናሰርሐ ከምዝኾነን ኣብቲ ክልል ዘዓነዉ መሰረተ ልምዓታትመሊስካ ንምህናፅ ኣናሰርሐ ከምዝኾነ ተዛሪቦም፡፡

ኣምባሳደር ዛሆ ዢዩዓን ብግደኦም፥ ኣብ ኣፀጋሚ እዋን ኮቪድ-19 ኢትዮጵያን ኣብ ጎኒ ቻይናን ደው ምባላ ምስጋና ኣቕሪቦም፡፡

ኣብ ወሰንቲ ጉዳያት ኢትዮጵያ ንዝተገበረሎም ገለፃ ብምምስጋን፥ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ርክብ ንምዕባይ ከምዝሰርሑ ቃል ምእታዎም ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.