Fana: At a Speed of Life!

ምሕዝነትን ምትሕብባርን ቻይና ኣፍሪካ ኣብ ድሌት እተን ሃገራት ዝተመርኮሰ ኢዩ – ዋንግ ዩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 3 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ምሕዝነትን ምትሕብባርን ቻይና ኣፍሪካ ኣብ ድሌት እተን ሃገራት ዝተመርኮሰ ከምዝኾነ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ቻይና ዋንግ ዩ ገሊፆም።

ዋንግ ዩ ኣብ መፈለምታ ሓዱሽ ዓመት ፈረንጂ ኣብ ሃገራት ኣፍሪካ ዝገበሩዎ ዲፕሎማሲያዊ ዑደት ምስ ዛዘሙ ኣብ ዝሃቡዎም መግለፂ፥ ቻይና ምስ ሃገራት ኣፍሪካ ዘለዋ ርክብን ምትሕብባርን ኣብ ፖሊሲ ጉዳያት ወፃኢኣ ቅድሚት ብመሃብ ኣጠናኺራ ከምትቕፅለሉ ተዛሪቦም፡፡

“ብተስፋ ምዕባለ ኣብ ዝተመልአት ኣፍሪካ ዑደት እንትገብር መበል 17 ግዘ ኢዩ” ክብሉ እውን ናብ ሃገራት ኣፍሪካ ብዝገበሩዎ ጉዕዞ ሕጉስ ከምዝኾ ገሊፆም።

እቶም ሚኒስትር ኣብ መግለፂኦም፥ ኣብ መጀመርታ ሓዱሽ ዓመት ዝገበሩዎ ናይ ወፃኢ ጉዕዘዞ ናብ ኣፍሪካ ምግባሮም ንነዊሕ እዋን ዘቑፀረ ምሕዝነት መርአዪ ከምዝኾነ እውን ኣብሪሆም፡፡

ቻይናን ኣፍሪካን ሓደ ዓይነት ራኢን ሓበራዊ ድሌትን ከምዘለወን ዝሓበሩ እቶም ሚኒስትር፥ “ምትሕብባርና ኣብ ጥንኩር መሰረት፣ ዓቢዩ ዓቕሚን መፃኢ ተስፋን ኣለዎ” ክብሉ ተሰሚዖም፡፡

ኣብ ህንፀት መሰረተ ልምዓታት ዝነበረ ምትሕብባራት ካብ ምጥንኻር ብተወሳኺ ቻይናን ሃገራት ኣፍሪካን ብኢንዱስትሪን ቴክኖሎጂን እውን ንምስራሕን ምትሕብባሮምን ናብ ዝለዓለ ብርኪ ንምስግጋር ከምዝሰርሑ ገሊፆም፡፡

ዋንግ ዩ፥ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 4 ጥሪ ጀሚሩ ክሳብ 7 ጥሪ ኣብ ሃገራት ኤርትራ፣ ኬንያን ኮሞሮስን ዑደት ዝገበሩ እንትኾኑ፥ ካብዚ ብምቕፃል ድማ ኣብ ማልዲብስን ስሪላንካን ዑደት ምግባሮም ይዝከር፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.