Fana: At a Speed of Life!

ሱዳን ክልል ቤኒንሻንጉል ጉሙዝ ይግበአኒ ኢዩ ምባላ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ኮኒኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ሱዳን ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዝርከበሉ ክልል ቤኒንሻንጉል ጉሙዝ ይግበአኒ ኢዩ ምባላ  ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ኮኒኑ።

ኣቐባሊ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያትወፃኢ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ኣድሂቦም ሳምንታዊ መግለፂ ሂቦም።

ኣብቲ ዘሃቡዎ መግለፂ ድማ ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ኣመልኪቱ ብወገን ሱደን ዝተሓዋወሱ ሓበሬታታት እናወፅኡ ከምዝኾኑ ኣብሆም።

ሱዳን ቅድሚ ሕዚ ዶብ ኢትዮጵያ ምድፋኣ እንተይነኣሰ ሕዚ ድማ ግድብ ህዳሰ እናተሃነፀሉ ዝርከብ ክልል ቤኒንሻንጉል ጉሙዝ ይግበአኒ ኢዩ ምባላ ዘይተገበአ ተግባር ኢዩ ኢሎም እቶም ኣቐባሊ ቃል።

ከይዲ ድርድር ሰለስቲአን ሃገራት ብዝምልከት ኣብ ዝሃቡዎ መብርሂ፥ ኢትዮጵያ ኣብ ዘለዋ ቅዋም ከምዝፀንዐት ገሊፆም።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ተቐማጥነቶም ኣዲስ ኣበባ ንዝገበሩ ኣምባሳደራት ሃገራት እስያ ኣብ ጉዳይ ዶብ ሱዳን፣ ግድብ ህዳሰን ኣብ ክልል ትግራይ እናገበረ ብዛዕባ ዘሎ ሰብኣዊ ሓገዝን ዝምልከት መብርሂ ከምዝተውሃበ እቶም ኣምባሳደር ኣብሪሆም።

6ይ ሃገራዊ መረፃ ብዝምልከት ሕጊ መረፃ ኢትዮጵያ ተኸቲሉ ናፃን ዘይሻራዊን መረፃ ንኽኸውን እናተሰርሐ ይርከብ ኢሎም ኣምባሳደር ዲና።

ከይዲ ምዝገባ መረፅቲ ኣብ መጀመሪኡ ካብ ዝነበሮ ምዝሕሓል ምምሕያሽ ከምዘርኣየ እውን ገሊፆም።

ብምስክር ስናፍቅ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.