Fana: At a Speed of Life!

ቻይና ሓዱሽ ዝተወለዐ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ሰሙን ክትቆፃፀሮ ከምትኽእል ኣፍሊጣ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቻይና ሓዱሽ ዝተወለዐ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ሰሙን ክትቆፃፀሮ ከምትኽእል ሰብ ሞያ ጥዕና እታ ሃገር ገሊፆም።

ኣብ ሻንጋይ በዓል ሞያ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ዝኾኑ ዣንግ ዌንሆንግ፥ ቻይና ኣብታ ሃገር “ዜሮ ኮቪድ ፖሊሲ” መሰረት ብምግባር ከምብሓዱሽ ዝተወለዐ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ሰሙን ከምትቆፃፀሮ ኣፍሊጦም፡፡

“እቲ ባይረስ ምስዓር ናዓና ናይ ግዘ ጉዳይ ኢዩ፤ ክንደናገፅ የብልናን” ኢሎም እቶም በዓል ሞያ፡፡

ሳይንስታት ቻይና ቫይረስ ኦሚክሮን ፍሉይ ባህሪ ኣብ ዝረአየሉ እዋን ብቕልጡፍ ምላሽ ከምዝሃቡሉን ካብ ክልተ ክሳብ ሰለስተ ሰሙን ኣብ ዘሎ እዋን ኣፈላላይ እቲ ሓዱሽ ተሃዋሲ ንምውጋእ ዘኽእሉ ምርምራት ክገብሩ ከምዝኸኣሉ እውን ገሊፆም፡፡

ናይ ቻይና “ዜሮ ኮቪድ ፖሊሲ” ሓፈሻዊ መምርሒ ምቁፅፃርን ምክልኻልን ኮቪድ-19 እንትኸውን፥ እዚ ድማ ሓደሽቲ ለበዳታት እንትፍጠሩ ብቕልጡፍ ንምጥፋእ ዝውሰዱ ስጉምቲታት ዝሓቁፍ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

ፍልፍል፦ ሲ ጂ ቲ ኤን

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.