Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ህንዲ ብቫይረስኮሮና ዝተትሓዙ ሰባት ቁፅሮም ካብ 5 ሚሊየን ዛይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ህንዲ ብቫይረስኮሮና ዝተትሓዙዋ ሰባት ቁፅሮም 5 ሚሊየን 20 ሺሕን 359 ከምዝበፅሐ ኣፍሊጣ።

እቲ ኣብ ህንዲ ዝተመዝገበ ቁፅሪ፥ ብብርኪ ዓለም በቲ ቫይረስ ካብ ዝተጠቕዓ ሃገራት ኣብ መበል ካልአይ ደረጃ ዝሰርዓ ኢዩ።

ካብ ቀረባ እዋን ንደሓር ኣብታ ሃገር በቢመዓልቱ 90 ሰባት ብቫይረስኮሮና እናተትሓዙ ይርከቡ።

እዚ ድማ ኣብ ዓለም ብስፍሓት ቫይረስኮሮና እናተላበደለን ካብ ሞንጎ ዝርከባ ሃገራት እታ ቀንዲ ገይሩዋ ኣሎ።

እቲ ቫይረስ ብስፍሓት ክስፋሕፋሕ ዝኸኣለሉ ምኽንያት፥ እታ ሃገር ኣንቢራቶ ዝነበረት ማዕቐብ ምልዓላ ስዒቡ ከምዝኾነ ይዝረብ።

ኣብ ህንዲ ብምኽንያት እቲ ቫይረስ 82 ሺሕን 92 ሰባት ህይወቶም ስኢኖም ኢዮም።

እታ ሃገር በቢመዓልቲ ልዕሊ ሓደ ሚሊየን ሰባት ምርመራ ላብራቶሪ እናገበረት ከምዝኾነት እውን ገሊፃ ኢያ።

ፍልፍል፦ ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.