Fana: At a Speed of Life!

ታይዋን ዳግም ብተኸታታሊ ከቢድ ርዕደ መሬት ተወቒዓ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ታይዋን ሕልፈት ህይወት 17 ሰባት ካብ ዘብፀሐ ሓደጋ ርዕደ መሬት ድሕሪ ሰለስተ ሰሙን ካብ ትማሊ ምሸት ከሳብ ሎሚ ወጋሕታ ንሰዓታት ዝፀንሐ ከቢድ ተኸታታሊ ርዕደ መሬት ከምዘጋጠማ ተገልጿል፡፡

ፈለማ ብሬክተር ስኬል 5 ነጥቢ 5 ዝተመዘገበን ትማሊ ምሸት ኣብ ምብራቓዊ ደሴት ግዝኣት ሁዋሊን ዘጋጠመን ርዕደ መሬት ስዒቡ ንኡሽተይ ምንቅጥቃጥ ከምዘተኸሰተ ተሓቢሩ፡፡

ነዚ ስዒቡ ድማ ድሕሪ ዝተወሰኑ ሰዓታት ብሬክተር ስኬል 6 ነጥቢ 0 ከምኡ እውን 6 ነጥቢ 3 ዝተመዝገቡ ሓደጋታት ርዕደ መሬት ከምዘጋጠሙ ምምሕዳር ኩነታት ኣየርን ማእኸል ረእደ መሬትን እታ ደሴት ኣፍሊጡ፡፡

ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያ 3 ሚያዝያ ብዘጋጠመ ርዕደ መሬት ከቢድ ጉድኣት ዝበፅሖም ክልተ ህንፃታት፤ ድሕሪ እቲ ናይ ሎሚ መዓልቲ ንጉሆ ርዕደ መሬት ብኽፋል ከምዝወደቑ ሰብ መዚ ግዝኣት ሁዋሊን ተዛሪቦም።

ምምሕዳር ማእኸላይ ንብረት ኣየር ማእኸል ርዕደ መሬት÷  በቲ ሓደጋ ዝተጎድኡ ሰባት ከምዘየለዉን ኣቢያተ ትምህርቲ ሁዋሊን ንኽዕፀዉ ትእዛዝ ከምዝተመሓላለፈን ምሕባሩ ቪኦኤ ፀብፂቡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.