Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ማላዊ ብዘጋጠመ ኣውሎ ንፋስ 100 ዝኾኑ ሰባት ህይወቶም ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 5 መጋቢት ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ማላዊ ብዘጋጠመ ፍሬዲ ዝበሃል ከቢድ ኣውሎ ንፋስ 100 ዝኾኑ ሰባት ህይወቶም ከምዝሓለፈ ተሰሚዑ።

ልዑል ምንቅስቓስ ንግዲ ኣብ ዘለዋ ከተማ ብላንታየር ጥራሕ ኣስከሬን 85 ሰባት ከምዝተረኸበ ቢቢሲ ፀብፂቡ።

ብልዑል ዝናብ ዝተዓጀበ ከምዝነበረ ዝተገለፀሉ ኣውሎ ንፋስ፥ መንበሪ ኣባይቲ፣ ህንፃታት፣ መገዲታትን ድልድላትን ብውሕጅ ከምዝዓነዉ ተሓቢሩ።

ካብዚ ሓሊፉ ኣብ መብዛሕተአን ከተማታት እታ ሃገር ቀረብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከምዝተቛረፀ ተገሊፁ።

ፕሬዚዳንት እታ ሃገር ላዛረስ ቻክዌራም፥ ነቲ ሓደጋ ስዒቡ ኣዋጅ ሓደጋ ህፁፅ እዋን ኣዊጆም።

እቲ ኣውሎ ንፋስ ብመንፅር ዘስዐቦ ዕንወት ቁፅሪ መወትቲ ክውስኽ ይኽእል ኢዩ ዝብል ስግኣት ኣሎ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.