Fana: At a Speed of Life!

ኣይተ ደመቀ መኮንን ምስ ሚኒስትር ልምዓት እንግሊዝን ምክትል ጉዳያት ወፃኢ ሞዛምቢክን ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ምስ ሚኒስትር ልምዓት እንግሊዝ ቪኪ ፎርድን ምክትል ጉዳያት ወፃኢ ሞዛምቢክ ማኑዌል ጎንቻልስን ኣብ ክልተኣዊን ዞባዊን ጉዳያት ኣድሂቦም ተዛቲዮም።

ርክብ ተን ሃገራት ብዝበለፀ ንምጥንኻር ኣብ ዝከኣለሎም ጉዳያት እውን ተመያይጦም፡፡

ኣይተ ደመቀ መኮንን ሚኒትር ልምዓት እንግሊዝን ኣብ ዝገበሩዎ ዘተ÷ ብድርቂን ጎንጺን ንዝተጎድኡ ወገናት ሰብኣዊ ሓገዝ ንምቅልጣፍ ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታት ምዝታዮም ካብ ሚነሲቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብና ሓበሬታ የረድእ፡፡

ምስ ምክትል ጉዳያት ወፃኢ ሞዛምቢክ ማኑዌል ጎንቻልስ ኣብ ዝገበሩዎ ልዝብ ድማ ኢትዮጵያ ሞዛምቢክ ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ቤት ምኽሪ ፀፅታ ሓዳሽ ተለዋጢት ኣባል ኮይና እወንታዊ ግደ ንኽትፃወት ትፅቢት ትገብር ኢሎም።

ማኑዌል ጎንቻልስ ብግደኦም÷ ኢትዮጵያ ኣብቲ መረፃ ንዝገበረቶ ሓገዝ ብምምስጋን “ንኣፍሪካዊ ፀገማት ኣፍሪካዊ መፍትሒታት” ኣብ ዝብል መምርሒ ኣፍሪካዊ ጉዳያት ንምሕጋዝ ቃል ኣቲዮም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.