Fana: At a Speed of Life!

ሃገራዊ ሽግግር ፍትሒ ምኽሪን እታዎታትን ህዝቢ ናይ ምእካብ ስራሕ ኣብ ዝተፈላለያ ክልላት ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ግንቦት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃገራዊ ሽግግር ፍትሒ ምኽሪን እታዎታትን ህዝቢ ናይ ምእካብ ስራሕ ኣብ ዝተፈላለያ ክልላት ከምዝተጀመረ ሚኒስቴር ፈትሒ ኣፍሊጡ።

ምትግባር ስርዓት ሽግግር ፍትሒ፥ ንዘላቒ ሰላም፣ ዴሞክራሲን ምዕባለን ኢትዮጵያ እወንታዊ ግደ ከምዘለዎ ተገሊፁ።

ስለዝኾነ እቲ ከይዲ ብዝተማልአ መገዲ ንምትግባር ዘኽእል ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ከስርሑ ከምዝፀንሑ ተሓቢሩ።

ስለዝኾነ መበገሲ ሰነድ “ኣማራፅታት ፖሊሲ ሽግግር ፍትሒ” ሚኒስቴር ፍትሒ ብዝወደቦ ጉጅለ ላዕለዎት ሰብ ሞያ ከምዝተዳለወ ተገሊፁ።

ነዚ ስዒቡ ሃገራዊ ሽግግር ፍትሒ ምኽሪን እታዎታትን ህዝቢ ናይ ምእካብ ስራሕ ኣብ ዝተፈላለያ ክልላት ተጀሚሩ።

እቲ ዘተ ኣብዛ ሃገር ኣብ ዝርከባ 58 ከተማታት ካብ ወርሒ ሚያዚያ ክሳብ ነሓሰ 2015 ዓ.ም ኣብ ዘሎ እዋን ከምዝፍፀም ተገሊፁ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.