Fana: At a Speed of Life!

ሃገር ለኸ መጀመሪ መርሃ ግብሪ ጎስጓስ መፍጠሪ ግንዛበ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃገር ለኸ መጀመሪ መርሃ ግብሪ ጎስጓስ መፍጠሪ ግንዛበ “ብኽለት ይኣክል ፅባቐ ይንቃሕ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ተኻይዱ።

እቲ ጎስጓስ ብዕሊ ዘጀመሩ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ከምዝበሉዎ÷ ንድኽነት ምስዓር ዝከኣል ምስ ተፈጥሮ ምትዕራቕ እንትከኣል ኢዩ፡፡

“ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብመርሃ ግብሪ ሓምለዋይ አሰር ዝተሰርሐ ዕዉት ስራሕ ምስ ተፈጥሮ ንኽንቀራረብን ዝሰፍሐ ከይዲ ለውጢ ግንዛቤ ማሕበረሰብን ሓደ መርአዪ ኢዩ” ኢሎም፡፡

ኢትዮጵያ ፀገም ሓለዋ ከባቢ ንምፅዋር ካብ ሓምለዋይ አሰር ብተወሳኺ ልምዓት ወሰን ሩባ፣ ዘበናዊ ሜላ ሕርሻ፣ ትሩፋት ሌማትን ፕሮጀክታት ሕርሻ ከተማን ብምሕንፃፅ እናተሰርሐ ክዝኾነ እውን ፀሪሖም፡፡

እዚ ድማ ኣብ ዓውዲ ሓለዋ ከባቢ ዓብዪ አስተዋፅኦ ከምዘበርከተ ብምሕባር÷ ኩሉ ኣካል በቢብርኩ ነቲ ጎስጓስ ንኽድግፍ ፀዊዖም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.