Fana: At a Speed of Life!

ሃገር ዝኸድዑ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ብወተሃደራዊ ሕጊ ምድናይ ኣብ ዘኽእል ጉዳይ ዘድሃበ ስልጠና ንሰብ ሞያ ሕጊ ተዋሂቡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 8 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃገር ዝኸድዑ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ብወተሃደራዊ ሕጊ ምድናይ ኣብ ዘኽእል ጉዳይ ዘድሃበ ስልጠና ንሰብ ሞያ ሕጊ ተዋሂቡ።

ዳይሬክቶሬት ቤት ፍርዲ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ምስ እቲ ጁንታ ብምትሕብባር ሃገር ዝኸድዑ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ፍርዲ ንምሃብ ኣብ ዘኽእሉ ሕጊታት ብምድራኽ ስልጠና ሂቡ።

ዳይሬክቶሬት ዳይሬክተር ቤት ፍርዲ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኮለኔል ደምሴ ካሳ፥ ካብ ኩለን እዚታትን ሓይሊ ኣየርን ንዝተውፃእፅኡ ሰብ ሞያ ሕጊ፣ ምስ ቲ ፅንፈኛ ህወሓት ተሰሊፎ ኢዮም ብምባል ዝተጠርጠሩ ኣባላት ብወተሃደራዊ ሕጊ ምድናይ ኣብ ዘኽእል ጉዳይ ዘድሃበ ስልጠና ንሰብ ሞያ ሕጊ ምሃቡ ተዛሪቦም።

ተሳተፍቲ እቲ ስልጠና ሓደሽቲ ተፈፀምቲ ኣብ ዝኾኑ ሕጊታትን ኣሰራርሓታትን ፅቡቕ ግንዛበ ምፍጣር ምኽኣሎም ተዛሪቦም።

ዳይሬክቶሬት ቤት ፍርዲ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር፥ ሃገር ዝኸድዑን ተልእኾ እቲ ጁንታ ብምፍፃም ዝተጠርጠሩን ኣባላት ሰራዊት ብወተሃደራዊ ሕጊ ናይ ምድናይ ስራሕ ኣብ ቀረባ እዋን ክጅመር ኢዩ ተባሂሉ ትፅቢት ከምዝግበር ተሓቢሩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.