Fana: At a Speed of Life!

ህንፀት ግድብ ህዳሰ ብዝምልከት ሃገራት ሊግ ዓረብ ዝገብርኡ ኢድ ኣእታውነት ተቐባልነት ኣይብሉን – ጋዜጠኛን ተንታኒን ኩንጉ ኣል ማሃዲ ኣዳም

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ግንቦት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ህንፀት ግድብ ህዳሰ ብዝምልከት ሃገራት ሊግ ዓረብ ዝገብርኡ ኢድ ኣእታውነት ተቐባልነት ኣይብሉን ክብል ጋዜጠኛን ተንታኒን ኩንጉ ኣል ማሃዲ ኣዳም ገሊፁ።

ጋዜጠኛ ኣል ማሃዲ፥ ሃገራት ሊግ ዓረብ ኣቐበልቲ ቃል ግብፂ ብምዃን ምቕፃለት ኣግባብነት ኣይብሉን ኢሉ።

ሕብረት ኣፍሪካ ዝኾነት ትኹን ሃገር ዓረብ ክተልምዖ ኣብ ዝግበኣ ጉ8ዳይ ኢዱ ኣእትዩ ኣይፈልጥን ክብል ገሊፁ።

ስለዝኾነ ኣፍሪካ ናይ ባዕላ ፀገም ብዘይ ዝኾነ ይኹን ኢድ ኣእታውነት ብባዕላ ንክትፈትሕ ምግዳፍ ይግባእ ኢሉ።

ሊግ ዓረብ ዕለተ ዓርቢ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ጂዳ ኣብ ዝተሳለጠ ኣኼባ፥ ህንፀት ግድብ  ህዳሰ ኢትዮያ ብዝምልከት ዝገብርኡ ኢድ ኣእታውነት ተቐባልነት ኣይብሉን  ክብል ገሊፁ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.