Fana: At a Speed of Life!

ህንፀት ፕሮጀክት ዝርገሐ መተሓላላፊ መስመርን መከፋፈሊ ጣብያን መቐለ-ዳሎል ኣብ ዝተትሓዘሉ መርሃ ግብሪ ንምዝዛም ይስራሕ ኣሎ – ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 05 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ህንፀት ፕሮጀክት ዝርገሐ መተሓላላፊ መስመርን መከፋፈሊ ጣብያን ሓይሊ ኤሌክተሪክ መቐለ-ዳሎል ኣብ ዝተትሓዘሉ መርሃ ግብሪ ንምዝዛም እናተሰርሐ ምዃኑ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ሲቪል መሃንዲስ ሳይት እቲ ፕሮጀክት ኣይተ ዳዊት ይብጌታ ከምዝገለፁዎ፥ እቲ ዝርገሐ መስመር መተሓላለፊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ 316 ዓንዲታት ሓፂን ዘድልዮ ኮይኑ፤ ህንፀት ሰረት 215 ዓንዲታትን ስራሕቲ ተኸላ 87 ዓንዲታትን ከምዝተሳለጠ ገሊፆም።

ኣብ ቀፃሊ እዋን ናይቶም ዝተረፉ ስራሕቲ ዝርገሐ መስመር ብቕልጡፍ ንምዝዛም እናተሰርሐ ከምዝርከብ ኣብሪሆም።

ኣብ ወርሒ ሕዳር 2011 ዓ.ም ብዕሊ ዝጀመረ እቲ ፕሮጀክት፥ ህንፀቱ ኣብ ውሽጢ 18 ኣዋርሕ ብምዝዛም ናብ ስራሕ ንምእታው እናተሰርሐ ከምዝኾነን ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣፈፃፅምኡ  ልዕሊ 48 ሚኢታዊ ምብፅሑን ኣፍሊጦም።

ህንፀት እቲ ፕሮጀክት፥ ልዑል ሙቐት ኣየር ናይቲ ከባቢ ንምፅዋር ዘኽእሎ ጋዝ ኢንሱሌትድ ሲስተም (ጂ.አይ.ኤስ)ዝሕዝ ቴክኖሎጂ ከምዝህነፅ እውን እቶም ሲቪል መሃንዲስ ገሊፆም።

ዝርገሐ መተሓላላፊ መስመርን መከፋፈሊ ጣብያን ሓይሊ ኤሌክተሪክ መቐለ-ዳሎል፥ ካብ ነባር 230 ኪሎ ቮልት ጣቢያ መከፋፈሊ ሓይሊ መቐለ ተላዒሉ ክሳብ ዳሉል 230/132 ኪሎ ቮልት ጣቢያ መከፋፈሊ ሓይሊ ዝበፅሕ ኢዩ።

ንውሓት እቲ ፕጀክት 130 ኪሎ ሜትሮ ብምሽፋን፥ 230 ኪሎ ቮልት ጥማር ሰርኪዩት ዝሓቁፍ ልዑል ዝርገሐ መተሓላለፊ መስመር ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢዩ።

እቲ ፕሮጀክት ስራሕቲ ምስፍሕፋሕ ነባር 230 ኪሎ ቮልት ጣቢያ መከፋፈሊ ሓይሊ መቐለን ህንፀት ስራሕቲ በዓል 230/132 ኪሎ ቮልት ሓዱሽ ጂ.አይ.ኤስ ጣቢያ መከፋፈሊ ሓይሊ ዳሉልን ከምዘጠቓልል እውን ተሓቢሩ።

እቲ ፕሮጀክት እንትዛዘም ብዋናነት ኣብ ከባቢ ዳሎል ዝርከብ መኣድን ፖታሽ ንምፍራይ ዝሕግዝ እንትኸውን፥ ኣብቲ ከባቢ ንዝርከባ ጣቢያታት ገፀር እውን እኹል ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንምቕራብን ዘኽእል ኢዩ ተባሂሉ።

ፍልፍል፦ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.