Fana: At a Speed of Life!

ህወሓት ህፃናት ኣብ ኲናት ምስላፉ ንምኽባር ሰብኣዊ መሰል ዘይግድሶ ምዃኑ መርኣዪ ኢዩ-ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 15 ሓምለ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ህወሓት ህፃናት ኣብ ኲናት ምስላፉ ንምኽባር ሰብኣዊ መሰል ዘይግድሶ ምዃኑ መርኣዪ ኢዩ ክብል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣፍሊጡ።

ኣቐባሊ ቃል እቲ ሚኒስቴር ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ኣድሂቦም ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፥ ህወሓት ኣብ ክልል ትግራይ ሰብኣዊ ደገፋት ብምትዕንቓፍ ጥሕሰት ይፍፅም ከምዘሎ ኣረዲኦም።

ህፃናት ኣብ ኲናት ምስላፉ ንምኽባር ሰብኣዊ መሰል ዘይግድሶ ምዃኑ መርኣዪ ኢዩ እውን ኢሎም።

ብተመሳሳሊ መንግስቲ ኣብ ትግራይ በይናዊ ደው ምባል ተኹሲ እንተወሰነ እውን ህወሓት ነዚ ውሳነ ዘይምኽባሩ ሓቢሮም።

ተግባር እቲ ጉጅለ ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ሓቅነቱ ንክርዳእን ጁንታ ጥራሕ ዝባኑ ዘቕረየ ከምዝኾነን ተዛሪቦም።

ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት ዝተወሰኑ ዓለም ለኸ ኣካላት ቅዋም መንግስቲ ምርዳእን ምቕባልን ከምዝተስኣኖም ገሊፆም።

ካልኣይ ዙር ምምላእ ማይ ግድብ ህዳሰ ኣብ ልዕሊ ታሕተዎት ሃገራት ተፋሰስ ምንም ዓይነት ጉድኣት ከምዘየብፅሕ ብተግባር ዘረጋገፀ ኢዩ ኢሎም።

ብመሰረት ሰለስቲኣዊ ድርድር ንሚኒስትራት ማይ ኩለን ሃገራት ምስ ምምላእ ማይ ብዝተተሓሓዘ ደብዳበ ክበፅሕ ከምዝተገበረ እውን ተዛሪቦም።

ኣብዚ ሰሙን ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ኣጋጢሙ ዝነበረ ህውከትን ዕግርግርን ኣብ ልዕሊ ኣካልን ንብረትን ኢትዮጵያውያን ጉድኣት ከምዘብፀሐ ብምግላፅ፥ ጉድኣት ኣካል ዝበፅሖም ዜጋታት ሕክምንኦም ንኽከታተሉ ከምዝተገበረ ገሊፆም።

ብወንደሰን ኣረጋኸኝ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.