Fana: At a Speed of Life!

ህዝበ ውሳነ ህዝብታት ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ተኣማኒን ናፃን ንክኸውን ናይቲ ህዝበ ውሳነ ኣተሓባበርቲ ሓላፊነት ኢዩ ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 14 ግንቦት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ) ህዝበ ውሳነ ህዝብታት ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ተኣማኒ፣ ናፃ፣ ዴሞክራሲያዊ፣ ሰላማዊን ብህዝቢ ዝእመንን ንክኸውን ናይቲ ህዝበ ውሳነ ኣተሓባበር ፕሮጀከት ቤት ፅሕፈት ሓላፊነት ኢዩ ተባሂሉ።

ነቲ ቤት ፅሕፈት ኣተሓባበርቲን ሰብ ሞያን ኣብ ከተማ ኣዳማ ስልጠና ይወሃብ ኣሎ።

ኣብቲ መድረኽ ስልጠና ዝተረኸቡ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣይተ ኣደም ፋራህ፥ ካብ መንጎ ዓወታት እቲ ለውጢ ኣብ ክልል ደቡብ ዝርከቡ ህዝብታት ዞባታት ዳውሮ፣ ከፋ፣ ቤንች ሽኮ፣ ሽካ፣ ምዕራብ ኦሞን ፍሉይ ወረዳ ኮንታን ብሓባር ብምዃን ክልል ንምምስራት ነክፍቀደሎም ዘቕረብዎ ሕቶ ብቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ተቐባልነት መርካቡን በህዝበ ውሳነ ንክረጋገፅ ምውሳኑን ኢዩ ምባሎም ካብቲ ቤት ምኽሪ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ብተወሳኺ ህዝበ ውሳነ ህዝብታት ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ተኣማኒን ናፃን ንክኸውን ናይቲ ህዝበ ውሳነ ኣተሓባበርቲ ሓላፊነት ኢዩ ኢሎም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.