Fana: At a Speed of Life!

ህዝቢ ትግራይ ታሪኹን ባህሉን ዓቂቡ ስልጡን ክብርን መንነትን ክውንን ይግባእ – ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ህዝቢ ትግራይ ታሪኹን ባህሉን ዓቂቡ ስልጡን ክብርን መንነትን ክውንን ከምዝግባእ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ክልል ትግራይ ገሊፁ።

ሓላፊት እቲ ቢሮ ወይዘሮ ብርኽቲ ገብረመድህን ከምዝበልኦ፥ ህዝቢ ትግራይ ወናኒ ብርክት ዝበሉ ዝድህሰሱን ዘይድህሰሱን ሓድግታት እዩ።

ብዙሓት ባህላውን ሃይማኖታውን ፀጋታት ዘለውዎ ህዝቢ ከምዝኾነ እውን ገሊፀን።

እቶም ፀጋታት ንብርክት ዝበሉ ግዚያት ተዓቂቦም ብምፅነሖም ቁፅሪ ዑደተኛታት ክውስኽ ከምዝገበሮ ወይዘሮ ብርኽቲ ኣብሪሀን።

መፃኢት ትግራይ ብባህልን ቱሪዝምን ብሩህ ንምግባርን ምስ ዘፈር ሕርሻ ዝወዳደር እቶት ንምርካብን ድማ ናይ 20 ዓመታት ፍኖተ ካርታ ተዳሊው ይስረሐሉ ከምዘሎ እተን ሓላፊት ቢሮ ኣብሪሀን።

ኣብ ፅንዓትን ምርምርን ስራሕቲ ኣርኪኦሎጂን እውን ብዕቱብ ክስራሕ እዩ ተባሂሉ።

ኣብ 2ይ ትልሚ ዕቤትን ትራንስፎርሜሽንን ዝነበሩ ክፍተታት ብምእራም፥ ትግራይ ወናኒት ስልጡን መንነት ንምግባርን ካብቲ ዓውዲ ልዑል ረብሓ ንምርካብን ከምዝስራሕ ወይዘሮ ብርክቲ ገሊፀን።

ብዮናታን ግዛቸው

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.