Fana: At a Speed of Life!

ህዝቢ ትግራይ ንቫይረስ ኮሮና ካብ ዘቃልዑ ተግባራት ተዓቂቡ እቲ ለበዳ ሕማም ንኽከላኸል ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ጨንፈር ትግራይ ፀዊዖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ህዝቢ ትግራይ ንቫይረስ ኮሮና ካብ ዘቃልዑ ተግባራት ተዓቂቡ እቲ ለበዳ ሕማም ንኽከላኸል ሓላፊ ኣይተ ነብዩ ስሑል ሚካኤል ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ጨንፈር ትግራይ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

እቶም ሓላፊ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝገለፁዎ፥ ሕብረተሰብ ብኢድ ሰላም ምባል ብምቁራፅ፣ ኢዱ ብማይን ሳሙናን ብምሕፃብን ምንኽኻእ ብምውጋድን ኣብ ምክልኻል ቫይረስ ኮሮና ናይ ባዕሉ ግደ ክፃወት ይግባእ።

እዞም ተግባራት ብግቡእ ብምፍፃም ኮቪድ-19 ኣብ ባዕሉ፣ ስድራቤት፣ ሕድበረተሰብን ሃገርን ፈጢሩዎ ዘሎ ስግኣት ንምጥፋእ ክራባረብ ከምዝግባእ እውን ኣተሓሳሲቦም።

እቶም ሓላፊ፥ ኩሉ ሰብ ብሓደ ወገን ብሰብ ሞያታት ዝወሃቡ መምርሒታት ብግቡእ ብምፍፃም፤ ብኻሊእ ወገን ድማ ኣብዚ ኣፀጋሚ እዋን ንኻልኦት ክንገብሮ ዝግበአና ሓገዝ ብመሃብ ዜግነታዊ ሓላፍነትና ክንዋፃእ ይግባእ ክብሉ ገሊፆም።

ኣመራርሓታትን ኣባላትን ፓርቲ ብልፅግና ጨንፈር ክልል ትግራይ፥ ፅሬት መሐለዊ ኣቕሑት ክገዝኡ ንዘይኽእሉ ክፋላት ሕብረተሰብ ካብ መሃየኦም ብምቕናስ ወፈያ ከምዝገብሩ እውን ኣይተ ነብዩ ኣፍሊጦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.