Fana: At a Speed of Life!

ሆስፒታል ጥቁር ኣንበሳ  ንኣገልግሎቱ ዝምጥን ጠመተ ከምዘይረኸበ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ) ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ልምዓት ሓይሊ ሰብ፣ ምውፋር ስራሕን ቴክኖሎጂን ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ፥ ሆስፒታል ጥቁር ኣንበሳ  ንኣገልግሎቱ ዝምጥን ጠመተ ከምዘይረኸበ ገሊፁ።

ኣባላት እቲ ቀዋሚ ኮሚቴ ኣብ ትሕቲ ዩንቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከቡ ኮሌጃትን ትካላትን ዑደት ስራሕ ገይሩ።

ኣካቢ እቲ ኮሚቴ ዶክተር ነገሪ ሌንጮ፥ ኣብ ሪፈራል ስፔሻላይዝድ ሆስፒታል ጥቁር ኣንበሳ ዝወሃብ ዘሎ ኣገልግሎትን ስራሕቲ ምርምርን ብባጀትን ካልኦት ድጋፋትን ተመጣጣኒ ጠመተ ክረክብ ይግባእ ኢሎም።

ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ ኮሌጅ ጥዕና ሳይንስ እቲ ዩንቨርስቲ ዶክተር ኣንዷለም ደነቀ ብግደኦም፥ እቲ ሆስፒታል 500 ሺሕ ተመላለስቲን 20 ሺሕ ደቂሶም ዝሕከሙን ሕሙማት ከምዘለውዎ ተዛሪቦም።

ይኹን እንበር እቲ ሆስፒታል ብመሰረት ዘጋጠሞ ሕፅረት ባጀትን ፅበት በፖታን ከምዝተፀገመ ሓቢሮም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.