Fana: At a Speed of Life!

ለበዳ ቫይረስኮሮና ቁፅሪ ሸቕሊ ኣልቦነት ኣብ ኣሜሪካ ብዝኸፍአ ኩነታት ክውስኽ ከምዝገበሮ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 01 ግንቦት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ለበዳ ቫይረስኮሮና ቁፅሪ ሸቕሊ ኣልቦነት ኣብ ኣሜሪካ ብዝኸፍአ ኩነታት ክውስኽ ከምዝገበሮ ተገሊፁ።

ኣብታ ሃገር ብሰንኪ ኮቪድ-19 ስራሕ-ኣልቦነት 14 ነጥቢ 7 ሚኢታዊ ከም ዝበፅሐ ተሓቢሩ።

ከምኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ጥራሕ፥ 20 ነጥቢ 5 ሚልየን ሰራሕተኛታት ካብ ስራሕ ወፃኢ ኮይኖም ኣለዉ ተባሂሉ።

እቲ ኩነታት ድሕሪ’ቲ ኣብ 1930ታት ኣጋጢሙ ዝነበረ “ግሬት ዲፕረሽን” ተባሂሉ ዝፍለጥ ዓቢይ ኢኮኖሚያዊ ቅልውላው እቲ ዝኸፍአ’ዩ ተባሂሉ’ሎ።

ቅድሚ ክልተ ኣዋርሕ ኣብ ዝሓለፉ 50 ዓመታት ዘይተራእየ መጠን ሽቕለት-ኣልቦት ናብ 3 ነጥቢ 5 ሚኢታዊ ወሪዱ ነይሩ’ዩ።

ኩሉ ክፋላት ኢኮኖሚ እታ ሃገር ተፀልዩ ከም ዘሎ ነቲ ፀብፃብ ዘውፅእ ክፍሊ ዕዮ ኣመሪካ ሓቢሩ።

ፍልፍል፦ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.