Fana: At a Speed of Life!

ላዕለወይቲ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ክልል ትግራይ ዝተኻየደ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ኣመልኪቶም ዘውፅአኦ መግለፂ ኣግባብ ዘይኮነን ኣዳላዊን ኢዩ – ግብሪ ሓይሊ ተግባር ኢትዮጵያውያን ኣብ ጄኔቫ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 3 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)መቐመጢኦም ኣብ ኣውሮፓ ዝገበሩ ትካላት ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተኻየደ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ብዝምልከት ላዕለወይቲ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ዘውፅአኦ መግለፂ ኣግባብ ዘይኮነን ተኣማኒነት እቲ ኮሚሽን ኣብ ሕቶ ዘውድቕ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ግብሪ ሓይሊ ተግባር ኢትዮጵያውያን ኣብ ጄኔቫ ዝተዳለወን መቐመጢኦም ኣብ ኣውሮፓ ዝገበሩ ኢትዮጵያውያን ማሕበራትን ትካላትን፥ መንግስቲ ኣብ ክልል ትግራይ ምስ ዝወሰዶ ወፍሪ ምኽባር ሕጊን ህልውናን ተተሓሒዙ ዘውፀኦ መግለፂ ኣመልኪቱ ንቤት ፅሕፈት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ደብዳበ ፅሒፉ፡፡

ኣብ ደብዳብኡ ድማ ላዕለወይቲ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ሚቼል ባችሌት፥ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተኻየደ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ኣመልኪተን ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 22 ታሕሳስ ዝሃበኦ መግለፂን ርኢቶን ኣዚዩ ከምዘሕዘኖ ገሊፁ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.