Fana: At a Speed of Life!

ልምዲ ሓምለዋይ ኣሰር ኢትዮጵያ ናብ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪካ ከምዘስፋሕፍሕ ውሕመ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ሓምለዋይ ኣሰር ሓደ ማዕቐፍ ምትሕብባር ሃገራት እቲ ዞባ ንኽኸውን እናሰርሐት ምዃና ኣይተ ደመቀ መኮንን ገሊፆም።

ኢትዮጵያ ዘላቒ ልምዓት ሓምለዋይ ልምዓት ንምርግጋፅ እናሳለጠቶ ትርከብ ስራሕቲ ሓምለዋይ ኣሰርን ዝተረኸቡ ዝነኣዱ ተሞክሮታታ ዘካፈለትሉን ልዝብ ኣብ ኒውዮርክ ተኻይዱ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ፕሮግራም ልምዓ ውሕመ ብምትሕብባር ጎድና ጎድኒ መበል 77 ሓፈሻዊ ጉባኤ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ዘሳድኡዎ መድረኽ÷ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒትር ጉዳያ ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን መደረ ኣስሚዖም።

ኣይተ ደመቀ ኣብ መደረኦም÷ ለውጢ ንብረት ኣየር ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ ኢሉ እውን ኣብ ኣፍሪካ ዘላቒ ልምዓትን ውሕስና ምግቢን ንምርግጋፅ ከምኡ እውን ድኽነት ንምውጋድ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ዓብዪ ማሕለኻ ከምዘንፀላለወ ገሊፆም።

ኣብ ከተማን ገፀርን ፍልሰት ሰባት ንኽጋደድስ ከምዝገበረ እውን ተዛሪቦም።

እቲ ፀገም ንምፍታሕ መንግስቲ ኢትዮጵያ ፖሊሲን ስትራቴጂን ብምሕንፃፅ ብኹሉ ደረጃ ዝርከቡ ክፋላት ማሕበረሰብ ኣተሓባቢ ለውጢ ንብረት ኣየር ናይ ምክልኻል ስራሕቲ እናሰርሐ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ለም ለኸ ፅዕንቶ ንብረት ኣየር ንምፅዋር ድማ ኢትዮጵያ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2019 ብመሪሕነት ቀዳማይ ሚኒትር ኣቢይ ኣሕመድ ዝተጀመረ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ሓምለዋይ ኣሰር ከም ኣብነት ኣልዒሎም።

በቲ መርሃ ግብሪ ድማ ኣብ ዝሓለፉ 4 ዓማውቲ 20 ሚሊየን ህዝቢ ብምስታፍ ልዕሊ 25 ቢሊየን ፈልሲታት ከምዝተተኸሉ ገሊፆም።

እቲ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ከም ሓደ ዓውዲ ምትሕብባር እቲ ዞባ ኽኸውን ከምዝግባእ ዝሓበሩ ኣይተ ደመቀ÷ ኢትዮጵያ ዓለም ለኸ ፅዕንቶ ለውጢ ንብረት ኣየር ንምክልኻል ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ንምስፍሕፋሕ እናሰርሐት ከምትርከብ ገሊፆም።

መሓዙት ልምዓት ነቲ ተበግሶ ንኽድግፉ እውን ፀዊዖም።

ኣብ ፕሮግራም ልምዓት ውሕመ ዳይሬክተር ኣፍሪካ ዝኾና ኣሁና ኢዛኮኑዋ ብተወካሊአን ኣቢለን ኣብ ዘስመዐኦ መደረ÷ “ኢኒሼቲቭ ሓምለዋይ ኣሰር ክሳብ ሕዚ ኢትዮጵያ ዘመዝገበቶ ዓወት ካልኦት ትልሚታት ልምዓት ብዕዉት ኩነታት ናይ ምፍፃም ዓቕማ ክብ ከምዝበለ ዘመላኽ ኢዩ” ኢለን።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነዚ ተሞክሮ ናብ 10 ሃገራት ኣፍሪካ ክዘስፋሕፍሕ ምሕባረን ካብ ሚኒስቴር ጉዳያ ወፃኢ ዝረኸብናየ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.