Fana: At a Speed of Life!

ልኡኽ ሃማስ ንድርድር ምቁራፅ ተኹሲ ናብ ግብፂ ካይሮ ኣቲዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣባላት ጉጅለ ልኡኽ ሃማስ ድርድር ምቁራፅ ተኹሲ ንምግባር ናብ ግብፂ ካይሮ ከምዝኣተዉ ተሰሚዑ።

ኣብቲ ድርድር ንሽዱሽተ ሰሙናት ዝዘልቕ ስምምዕነት ምቁራፅ ተኹሲ ክግበር ኢ ዝብል ትፅቢት ከምዘሎ ተሓቢሩ፡፡

ድርድር እስራኤልን ሃማስን ኣብ ዝቕፅሉ ካብ 24 ክሳብ 48 ሰዓታት ኣብ ዘለዉ እዋናት ከምዝሰለጥ ተገሊፁ፡፡

ነዚ ስዒቡ ድማ ኣብቲ ድርድር ዝሳተፉ ልኡኻት ኣሜሪካ፣ ኳታርን ሃማስን ናብ ካይሮ ምእታዎም ቲ ኣር ቲ ፀብፂቡ፡፡

ተደራደርቲ ሃማስ ከምዝበሉዎ፥ እስራኤል ወታደራታ ካብ ጋዛ ምውፃእ ሓዊሱ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምጥንኻ ፍቓደኛ እንድሕር ኮይና ኣብ ስምምዕነት ንምብፃሕ መገዲ ዝኸፍት ኢዩ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.