Fana: At a Speed of Life!

ልውውጥ ንግዲ ቻይና-ኣፍሪካ 282 ነጥቢ 1 ቢሊየን ዶላር በፂሑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቻይና ምስ ሃገራት ኣፍሪካ ዘለዋ ልውውጥ ንግዲ ልዕሊ 282 ነጥቢ 1 ቢሊየን ዶላር ምብፅሑ ተገሊፁ፡፡

ሚኒስቴር ንግዲ ቻይና ከምዝሓበሮ÷ ምትሕብባር ንግዲን ኢኮኖሚን ንርክብ ቻይና-ኣፍሪካ ቁልፊ መሰረት ኢዩ፡፡

ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2023 ቤጂንግ ምስ ሃገራት ኣፍሪካ ዝነበራ ርክብ ንግዲ ካብ ዝኾነ ይኹን እዋን ንላዕሊ ዕዉት ከምዝኾነ እቲ ሚኒስቴር ገሊፁ፡፡

ኣብቲ በጀት ዓመት ቻይና ምስ ሃገራት ኣፍሪካ ዘለዋ ኩለመዳይ ልውውጥ ንግዲ ልዕሊ 282 ነጥቢ 1 ቢሊየን ከምዝበፅሓ ሓቢሩ፡፡

እዚ ድማ ቻይና ን15 ተኸታታሊ ዓመታት ምስ ኣፍሪካ ልዑል ልውውጥ ንግዲ ዝገበረት ብሕታዊት ሃገር ጀከምዝገብራ ኣብሪሁ፡፡

ኣብ ቀፃሊ እውን ምትሕብባር ንግዲን ኢኮኖሚን ቻይና-ኣፍሪካ  ብዝበለፀ ንምድንፋዕ ሓዱሽ ትልሚ ተሓንፂፁ እናተሰርሐ ምዃኑ ምግላፁ ሺንዋ ፀብፂቡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.