Fana: At a Speed of Life!

ልውውጥ ንግዲ ኢትዮጵያን ፓኪስታንን ንምድንፋዕ ይስራሕ ኣሎ – ኣምባሳደር ጀማል በከር

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ለካቲት ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ልውውጥ ንግዲ ኢትዮጵያን ፓኪስታንን ኣብ 2023 ናብ 200 ሚሊየን ዶላር ክብ ንምባል እናተሰርሐ ምዃኑ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ፓኪስታን ጀማል በከር ገሊፆም።

እቶም ኣምባሳደር ምስ ደይሊ ታይምስ ፓኪስታን ኣብ ዝገበሩዎ ፃንሒት ከምዝገለፁዎ፥ ትካላዊ ምትእስሳር ብዘይምህላዉ ርክብ ንግዲ ክልቲአን ሃገራት ትሑት ኮይኑ ፀኒሑ፡፡

ነዚ ብምግንዛብ ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ፓኪስታንን ትካላዊ ምትእስሳር ንምፍጣር ኢሉ እውን ርክብ መንግስታትን ነጋዶ እተን ሃገራት ብምጥንኻር ፃዕሪታት ከምዝተገበሩ ኣብሪሆም፡፡

እተን ሃገራት አብዚ ሕዚ እዋን፥ ኣብ ዓውዲ ቱሪዝም፣ ፖለቲካዊ ምትሕብባር፣ ኢኮኖሚያዊ ምትእስሳርን ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢን ንምጥንኻር ኣብ ዘኽእሉ ጉዳያት እናሰርሓ ከምዝርከባ ገሊፆም።

ክሳብ ሕዚ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ መጠን ልውውጥ ንግዲ 78 ሚሊየን ዶላር ከምዝኾነ ዝሓበሩ እቶም ኣምባሳደር፥ ኣብ መወዳእታ ዓመት 2023 ልውውጥ ንግዲ ክልቲን ሃገራት ናብ 200 ሚሊየን ዶላር ንምብፃኽ ትልሚ ከምዝተትሓዘ ኣመልኪቶም፡፡

እቲ ተታሒዙ ዘሎ ትልሚ ምትእስሳር ንግዲ፥ ምስሊ ክልተኣዊ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ሙሉእ ብሙሉእ ከምዝልውጦ ዘለዎም እምነት ገሊፆም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.