Fana: At a Speed of Life!

ልዕሊ 40 ዓመታት ንዘገልገሉ መምህራን መርሃ ግብሪ ኣፍልጦን ምስጋናን ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጳጉሜን፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ልዕሊ 40 ዓመታት ኣብ ሞያ ምምሃር ንዘገልገሉ መምህራን መርሃ ግብሪ ኣፍልጦን ምስጋናን ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ÷ ከንቲባ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ፣ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ቡዜና ኣልቃድር ሓዊሱ ካልኦት ሓለፍቲ ስራሕን ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ተረኺቦም፡፡

ከምኡ እውን ልዕሊ 40 ዓመታት ዘምሀሩን ኣብ ሞያ ምምሃር ዝርከቡን መምህራን ተዓዲሞም።

ምክትል ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ እቲ ምምሕዳር ከተማ ኣይተ ዓሊ ከማል÷ እቲ ቢሮ ኣብ መዓልቲ ኣገልጋላይነት ዜጋታ ብምምሃርን ትውልዲ ብምቕራፅን ኣስተዋፅኦ ንዝገበሩ መምህራን ዘለዎ ክብሪ ንምግላፅ ዝተሰናደአ መርሃ ግብሪ ከምዝተሰናደአ ሓቢሮም።

ብየሻምበል ምህረት

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.