Fana: At a Speed of Life!

ልዕሊ 69 ሚሊየን ብር ግምታዊ ዋጋ ዘለዎም ናውቲታት ኮንትሮባንድ ተታሒዞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ግንቦት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ካብ 28 ሚያዚያ ክሳብ 6 ግንቦት 2013 ዓ.ም 69 ሚሊየንን 215  ሺሕን 956 ብር ግምታዊ ዋጋ ዘለዎም ናውቲታት ኮንትሮባንድ ተታሒዞም።

እቶም ናውቲ ካብ ውሽጢ ዓዲ ክወፅኡን ናብ ዓዲ ክኣትዉን ዝተትሓዙ እንትኾኑ፥ እቶም ናብ ሃገር ክኣትዉ ዝተትሓዙ ናውትቲታት 66ሚሊየን 744 ሺሕን 994 ብር ግምታዊ ዋጋ ከምዘለዎም ተገሊፁ።

ኣብ ኤርፖርት ኣዲስ አበባ፣ ሃዋሳ፣ ጅጅጋ፣ ድሬዳዋ፣ ሞያሌ፣ ባህርዳር፣ ጋላፊ፣ ኣዲስ አበባ ቃሊቲ፣ ጅማ፣ ኣዳማ፣ ኣዋሽ፣ ኮምቦልቻን ኣሶሳ እቶም ናውቲታት ኮነትሮባንድ ከምዝተትሓዙ ተገሊፁ።

ናይ ወፃኢ ዓዲ ገንዘባት፣ ዝተፈላለዩ ኣልባሳት፣  ምግቢ ተንከፍ፣ ኤሌክትሮኒክስ፣ ኮስሞቲክስ፣ ጨርቀ መርቂን ጫማን፣ መድሓኒትን መዐወንቲ እፃትን፣ ኣፅዋራት ኲናትን ካልኦትን ከምዝኾኑ እውን ካብ ሚኒስቴር እቶት ዝረኸብናዮ ሓቤሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.