Fana: At a Speed of Life!

ልዕሊ 99 ሚሊየን ብር ግምታዊ ዋጋ ዘለዎም ኣቑሑት ኮንትሮባንድ ተታሒዞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ጨንፈር ጉምሩኽ ድሬዳዋ ልዕሊ 99 ነጥቢ 4 ሚሊየን ብር ግምታዊ ዋጋ ዘለዎም ኣቑሑት ኮንትሮባንድ ከምዝተትሓዙ ኮሚሽን ጉምሩኽ ገሊፁ፡፡

ዝተትሓዙ ኣቑሑት ንትሮባንድ÷ መለዋወጢ መኪና፣ ጓማታት፣ ሓደሽቲ ክዳውንቲ፣ ጫማታት፣ ኣቑሑት ገዛን ምግቢ ተንከፍ ኣቑሑትን ኢዮም፡፡

እቶም ኣቑሑት ኮንትሮባንድ÷ ናብ ከተማ ድሬድዋ እንትጓዓዙ ኣዲጋላ ተባሂሉ ኣብ ዝፅዋእ ከባቢ ኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን እቲ ኮሚሽን፣ ኣባላት ፌዴራል ፖሊስ ከምኡ እውን ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ብሓባር ብዝተገበረ ዝተዋደደ ስራሕ ከምዝተትሓዙ ካብቲ ኮሚሽን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.