Fana: At a Speed of Life!

ናይዚ ወለዶ ዛዕባ ሓምሳ ዓመት ዘላቂ ሰላምን ኩለመዳይ ምዕባለን ኢዩ – ብሄራዊ ቤት ምኽሪ ድሕንነት

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ናይዚ ወለዶ ዛዕባ ሓምሳ ዓመት ዘላቂ ሰላምን ኩለመዳይ ምዕባለን ከምዝኾነ ብሄራዊ ቤት ምኽሪ ድሕንነት ኣፍሊጡ።

ብሄራዊ ቤት ምኽሪ ድሕንነት ኣብ እዋናዊ ሃገራዊ ጉዳያት ድሕንነትን ፀፅታን ብምዝታይ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ከምዝሓበሮ÷ ኢትዮጵያ ኣብ ነዊሕ ታሪኻ ከም ሃገር ንፖለቲካዊ ፍልልያት፣ ዘይምስምማዕን ጎንፂታትን ብሰላማዊ መገዲ፣ ብዘተን ብሕጋዊ ኣገባብን ናይ ምፍታሕ ልምዲ ከምዘይነበራ ገሊፁ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ዘሎ ናይ ለውጢ መንግስቲ ብሓይሊ ናብ ስልጣን ዝመፅአ ከምዘይኮነ ዝሓረ እቲ መግለፂ÷ እዚ ድማ ሓዱሽ ፖለቲካዊ ባህሊን ፖለቲካዊ ምዕራፍን ከምዝኾነ ኣብሪሁ፡፡

ብዲሞክራስያዊ መረፃ ህዝቢ ዝፀደቐ መንግስቲ ብምጥያሽ፤ ካብኡ ሓሊፉ ድማ መራሕትን ኣባላትን ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ውድባት ኣብ መንግስታዊ ሓላፍነት ብምሻም ኢትዮጵያ ናይ ሓባር ገዛ ምዃና ዘመስከረ ለውጢ ከምዝኾነ እውን ገሊፁ።

ብሄራዊ ቤት ምኽሪ ድሕንነት ኣብ ዘውፀኦ ዝርዝር መግለፂ ሕገ-መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ መንግስቲ ወፃእ ዕጡቕ ሓይሊ ክህሉ ከምዘይፈቅድ ዝሓበረ እነትኸውን÷ ብሰንኪ ዝተወረሰ ፖለቲካዊ ምብትታን ግን ዕጡቓት ሓይሊ ከምዝተፈጠሩ ኣብሪሁ።

“እዞም ዕጡቓት ሰላምና ዘላቒ ንምግባር ዕጥቆም ፈቲሖም ናብ መስርሕ ተሃድሶ ክኣትዉ ኣለዎም” ዝበለ እቲ መግለፂ÷ ኣብ ሃገራዊ ምኽክር ብምስታፍ እውን ፖለቲካዊ ጉዳያቶም ክፈትሑ ከምዝኽእሉ ገሊፁ።

እዚ ንምትግባር ኮሚሽን ተሃድሶ ከምዝተጣይሸ፤ ጉጅለ ዕጡቓት ዕጥቆም ብምፍታሕን ተሃድሶ ብምውሳድን ናብ ሕብረተሰብ ንምፅምባር ተሓሲቡ ዝተጣየሸ ከምዝኾነ ኣብሪሁ።

ብሃገራዊ ምኽክርን ናይ ስግግር ፍትሒን ዝፀንሑ ሃገራዊ ፀገማት ክፍትሑ ብምግባር፤ ከም ጎንፂን ኲናትን ዝበሉ ዕንቅፋታት ሰላማዊ ፖለቲካዊ ኣካይዳ ክንመርጽ ይግባእ። ነዚ ዕላማ እዚ እዩ ድማ ነቲ ኣብ ሰሜን ንኽልተ ዓመት ዝጸንሐ ኲናት ብናይ ሰላም ስምምዕ ክፍታሕ ዝድለ።

ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ብዙሓት ተደጋገምቲ ሕድሕዳዊ ጎንፂታትን ኲናትን ከምዝተፈጠሩ ዝሓበረ እቲ መግለፂ÷ ኣብቶም ውግኣት ድማ ከም ሃገር ከቢድ ክሳራን ዕንወትን ከምዘስዐቡ ኣፍሊጡ።

“ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ነዚ ኣሰራርሓ ቀይርዎ ኢዩ፤ ብፖለቲካዊ ፍታሕ ኲናት ናይ ምውዳእ ባህሊ ኣምፂኡ ኢዩ፤ እዚ ናይ ሰላም ስምምዕ ተረኽ ሰዓራይን ተሳዓሪን ንዝመፅእ ወለዶ ንዘይ ምውራስ ብሱልን ቆራፅ ውሳነን ዝሓትት ኢዩ” ብምባል እዚ ኣማራፂ ብምኽታል ደም መፋሰሲ ኲናት ደው ክብል ከምተገበረ ኣብሪሁ።

ነዚ ስዒቡ ድማ ኣብ ክልላት ትግራይ፣ ኣምሓራን ዓፋርን ስራሕቲ ዳግመ ህንፀትን ምሕዋይን ከምዝተጀመረ ገሊፁ።

ሰብኣዊ ሓገዝ ብዘይ ዕንቅፋት ናብ ትግራይ ክበፅሐሉ ዝኽእል ባይታ ከምዝፈጠረ፣ ድሕሪ ምፍራም ስምምዕ ሰላም መንግስቲ ካብቲ ኣብቲ ስምምዕነት ሰላም ዝነበሮ ግቡእ ንላዕሊ ብምኻድ ምትእምማን ንምፍጣርን ሰላም ንምዕቃብ ኣድላዪ ዘበሎም ተኸታተልቲ ስጉምቲታት ከምዝተወሰደ እውን ኣፍሊጡ።

“ካብ ስምምዕነት ክሳብ ሕዚ ዝተረኸበ ውፅኢትን እፎይታን ከምዘሎ ኮይኑ፤ ብመሰረት እቲ ስምምዕነት ዝተረፉ ስራሕቲ ኣለዉ ብፍላይ ድማ ናይ ህወሓት ዕጡቓት ዕጥቆም ክፈትሑ ኣለዎም፣ ሕቶ መንነትን ምምሕዳራዊ ወሰንን ዘለዎም ከባቢታት መዕለቢ ንመሃብ ዝተቐመጠ ኣንፈት ኣብ ተግባር ክውዕል ኣለዎ” ኢሉ።
ካብ ዝሓለፈ ስሕተተ ዘይምምሃር ካብ ቀዳማይ ስሕተት ዝበኣሰ ከምዝኾነ እውን ኣገንዚቡ።
ብኲናት ዝተመዛበሉ ወገናት ንምምላስን ንምጥያሽን ዝተጀመረ ስራሕ ክጠናኸር ከምዘለዎ ብምሕባር፤ መንግስቲ ዝተቛረፁ መሰረተ ልምዓታትን ኣገልግሎታትን ንምፅጋንን ዳግማይ ክጅምሩ ንምግባርን ኣበርቲዑ እናሰርሐ ከምዝኾነ እውን ገሊፁ።
ኣብ ክልል ትግራይ ፋይናንሳዊን ቁጠባዊን ምንቅስቓሳት ንምትዕርራይ ብዙሕ ገንዘብ ከምዘውፀአ ዝሓበረ መግለፂ ብሄራዊ ቤት ምኽሪ ድሕንነት÷ ከስቢ ሰላም ዘለዎ ግደ ዕዙዝ ስለዝኾነ መንግስቲ ትፅቢት ካብ ዝግበረሉ ሓሊፉ ቁስሊ ንምሕዋይ ዘኽእል ስራሕ ድናሰርሐ ከምዝኾነ ኣብሪሁ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.