Fana: At a Speed of Life!

ሓይሊታት ሩሲያን ዩክሬንን ኣብ ከተማ  ሴቬሮዶኔስክ “ዝኸፍአ” ኲናት የካይዱ ከምዘለዉ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢሲ)ሓይሊታት ሩሲያን ዩክሬንን ኣብ ከተማ  ሴቬሮዶኔስክ ዝኸፍአ ዝተብሃለ ኲናት የካይዱ ከምዘለዉ ተገሊፁ።

ከተማ ሴቬሮዶኔስክ ንምሓዝ ኣብ ዝግበር ዘሎ ኲናት ቅድመ ሐዚ ኣብ ምብራቕ ዩክሬን ካበ ዝተኻየደ ኲናት እቲ ኣዝዩ ዝኸፍአ ተሓቢሩ።

ከም ፀብፃብ ሬውተርስ ወተሃደራት ሩሲያ ኣብ ከባቢ እታ ከተማ ዝርከቡ ወተሃደራዊ ረብሓ ዘለዎም ቦታታት ምቁፅፃሮም ሚኒስትር ምክልኻል እታ ሃገር ሰርጌይ ሾይጉ ተዛሪቦም።

ብተወሳኺ ኣስታት 97 ሚኢታዊ ግዝኣት  ሉሃንስክ ናፃ ከምዝወፅአ ብምግላፅ፥ ክሳብ ሐዚ በዝነበረ ኲናት 6 ሺሕን 489 ወተሃደራት ዩክሬን ኢዶም ከምዝሃቡ ሓቢሮም።

ይኹን እንበር እታ ገዝኣት ሙሉእ ንሙሉእ ንምቁፅፃር ኣብ መገዲታት ከተማ ሴቬሮዶኔስክ እቲ ኣዝዩ ዝኸፍአ ዝበሃል ኲናት ይካየድ ኣሎ ተባሂሉ።

ደም ዝውሕዘሉ ዘሎ ኣብ ዝተብሃለ እቲ ኲናት ወተሃደራት ዩክሬን ብመሊስካ ምጥቃዕ ናህሪ ወተሃደራት ዩክሬን ንምዕጋት ይፍትኑ ከምዘለዉ ተሓቢሩ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.