Fana: At a Speed of Life!

ሓፈሻዊ ጉባኤ ውሕመ ኢትዮጵያ ኣብ ግድብ ህዳሰን ኣብ ጉዳይ ኲናት ሰሜንን ቅዋማ ዘረደአትሉ ኢዩ-ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 19 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓፈሻዊ ጉባኤ ውድብ ሕቡራት መንግስታት (ውሕመ)ኢትዮጵያ ኣብ ግድብ ህዳሰን ኣብ ጉዳይ ኲናት ሰሜንን ቅዋማ ዘረደአትሉ ኢዩ ክብል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣፍሊጡ።

ኣቐባሊ ቃል እቲ ሚኒስቴር ኣምባሳደር መለስ ኣለም ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ብምጥማት መግለፂ ሂቦም።

ኣብ መግለፂኦም፥ ኢትዮጵያ ኣብቲ ጉባኤ ወሰንቲ  ዝበለቶም ዛዕባታት ከምዘረደአት ሓቢሮም።

ብፍላይ  ኣብ ግድብ ህዳሰን  ጉዳይ ኲናት ሰሜንን ቅዋማ ዘረደአትሉ ኢዩ ኢሎም።

ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮነን ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዘሎ ኲናት ብሰላም ንምፍታሕ ከምኡውን ግድብ ህዳሰ ብዝምለከት ናይ ሓባር ተረባሕነትን መፍትሒታቱን ኣፍሪካዊ ብዛዕባ ምዃኑ ዘረድእሉ መድረኽ ከምዝነበረ ተዛሪቦም።

ኣብ ዓለም ዘሎ ፀገም ንምፍታሕ ካብ ብተናፀል ብናይ ሓባር ጉዕዞ ከምዘድሊ ግንዛበ ዝተፈጠረሉ ኢዩ ኢሎም።

ጎኒ ንጎኒ እቲ ጉባኤ መራሕቲ ሃገራት ተራኺቦም ክልቲኣዊ ዘተ ከምዘካየዱ ብምሕባር፥ ብመሰረት እዚ ምስ ልዕሊ 20 መራሕቲ ሃገራት ምዝታዮም ገሊፆም።

ቻይና፣ ህንዲ፣ ሩሲያ፣ ኤርትራን ማሊን ሓዊሱ ምስ መራሕቲ ብዙሓት ሃገራት ብምርኻብ ርክብ ሃገራት ዘጠናኽሩ ጉዳያት ብዝምልከት ምምኻሮም ተዛሪቦም።

ብሃብታሙ ተክለስላሴ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.