Fana: At a Speed of Life!

ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኣቕርቦት ሰብኣዊ ሓገዝ ምምሕያሹ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኣቕርቦት ሰብኣዊ ሓገዝ ምምሕያሹ ገሊፁ።

ኮሚሽነር ምምሕዳር ቅልውላው እቲ ሕብረት ጃኒዝ ሊነርሲስ፥ ኣብ ክልል ትግራይን ሶማሌን ዝገበርዎ ዑደት ክልተ መዓልቲ ምዝዛሞም ስዒቡ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኣቕርቦት ሰብኣዊ ሓገዝ ምምሕያሹ ገሊፆም።

እቶም ኮሚሽነራት ኣብ ናይ መጀመሪያ መዓልቲ ዑደቶም ናብ ክልል ሶማሌ ብምኻድ ብድርቂ ህፃናትን ደቂ ኣኒስቲዮን ሓዊሱ ብዙሓት ዜጋታት ንፀገም ምቅልዖም ገሊፆም።

ቀፂሎም ናብ መቐለ ምጉዓዞም ብምግላፅ፥ ኣብቲ ዘሎ ኣቕርቦት ሰብኣዊ ሓገዝ ምምሕያሹ ሓቢሮም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ ደገፍ ናብ ትግራይ ንክኣቲ ኩነታት ንክመዓራረዩ ምዕዛቦም ገሊፆም።

ይኹን እንበር ብሰንኪ ኣብ ትግራይ ብዘሎ ሕፅረት ገንዘብን ነዳዲን ኣብቲ ክልል ንፀገም ዝተቓልዑ ወገናት እቲ ሓገዝ ንምብፃሕ ኣፀጋሚ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ስለዝኾነ ኣብ ትግራይ ባንኪን መብራህቲን ሓዊሱ ኣገልግሎት መሰረተ ልምዓት ንክጅመር ምስራሕ የድሊ ኢሎም።

ብትግስት ብርሃኔ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.