Fana: At a Speed of Life!

መመሓየሺ ሪፎርም ስርዓት ምሕደራን ግልጋሎትን መንግስቲ ኣብ ዝተመረፁ ትካላት ክትግበር ኢዩ ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጳጉሜን፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብቲ ዝተትሓዘ በጀት ዓመት መመሓየሺ ሪፎርም ስርዓት ምሕደራን ግልጋሎትን መንግስቲ ኣብ ዝተመረፁ ትካላት ከምዝትግበር ኮሚሽነር ሲቪል ሰርቪስ መኩሪያ ኃይሌ (ዶ/ር) ተዛሪቦም፡፡

እቲ ሪፎርም ብፍላይ ኣወሃህባ ግልጋሎት መንግስቲ ኣብ ምምሕያሽ ዝሐሸ ለውጢ ከምዘምፅእ ኣመልኪቶም።

ኮሚሽነር መኩሪያ ሃይለ እዚ ዝበሉ÷ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ሃገሮም ልዕሊ 38 ዓመታት ንዘገልገሉ ሰራሕተኛታት ኣፍልጦ ኣብ ዝሃቡሉ እዋን ኣብ ዝገበሩዎመደረ ኢዩ፡፡

ትካላት መንግስቲ ኣሰራረሐኦም ብምዝማን ቅልጡፍ ግልጋሎት ተበፃሒ ክገብሩ ከምዝግባእ ሓቲቶም፡፡

ነዚ ድማ መመሓየሺ ሪፎርም ስርዓት ምሕደራን ግልጋሎትን መንግስቲ ከምዝሰናደአ ብምግላፅ፤ ነቲ ሪፎርም ንምፍፃም ዝሕግዙ ሰነዳት ፖሊሲን ስትራቴታትን ከምኡ እውን ማዕቐፋት ሕጊ ኣብ ምዝዛም ከምዝርከቡ ኣብሪሆም፡፡

እቲ ሪፎርም ኣብ ኣወሃህባ ግልጋሎት መንግስቲ ኣብ ምዝማንን ምቅልጣፍን መሰረታዊ ለውጢ ከምዘምፅእ ኣብሪሆም፡፡

ስራሕቲ ምድላው እቲ ሪፎርም ኣብ መጀመርታ ሽዱሽተ ኣዋርሕ እዚ በጀት ዓመት ከምዝዛዘም ምግላፆም እውን ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.