Fana: At a Speed of Life!

መረፃ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ፀገም ፀፅታ ከምዝተዛዘመ ኮሚሽን ፖሊስ ክልል ደቡብ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)መረፃ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ፀገም ፀፅታ ከምዝተዛዘመ ኮሚሽን ፖሊስ ክልል ደቡብ ኣፍሊጡ።

ማሕበረሰብ፣ ሓይሊታት ፀፅታን ተናሓናሕቲ ፓርቲታት ፖለቲካን እቲ መረፃ ብሰላም ንኽዛዘም ንዘበርከቱዎ ኣስተዋፅኦ ምስጋና ኣቕሪቡ፡፡

ከይዲ ምጉዕዓዝ ድምፂ ዝተውሃበሎም ሳንዱቓት እውን ዕዉት ብዝኾነ መልክዑ እናተኻየደ ምፅንሑ ኮሚሽነር እቲ ኮሚሽን ነቢዩ ኢሳይያስ ገሊፆም፡፡

ምስ መረፃ ተተሓሒዞም ዝፍፀሙ ገበናት ዘፃሪ ጉጅለ ምርመራ ብብርኪ ክልልን ዞባን ተጣይሹ እናተሰርሐ ከምዝፀንሐ ሓቢሮም፡፡

ስለዝኾነ ድማ 194 ውልቀ ሰባት ገበን ፈፂሞም ዝተብሃሉ ሰባት ከምዝተትሓዙ ተዛሪቦም፡፡

ካብ ሞንጎ እዚኣቶም እቶም 103 ዝኸውን ደቀቕቲ ስሕተታት ዝፈፀሙ ስለዝኾኑ ግቡእ ማዕዳ ተዋሂቡዎም ክልቀቑ ተገይሩ ኢዩ፡፡

ጉዳይ ናይቶም 91 ውልቀ ሰባት ድማ ምርመራ ተገይሩሎም ናብ ሕጊ ከምዝቐረቡ ዝገለፁ እቶም ኮሚሽነር፥ ናብ ሕጊ ካብ ሞንጎ ዝቐረቡ 26 ዝኾኑ ውልቀ ሰባት ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ውሳነ ከምዝረኸቡ ኣብሪሆም፡፡

ብብርሃኑ በጋሻው

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.