Fana: At a Speed of Life!

መረፃ ተኣማኒ፣ ሰላማዊን ፍትሓዊን ንኽኸውን ግደ ደቂ ኣንስትዮ ዕዙዝ ክኸውን ይግባእ – ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 2 ጉንበት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ ሃገራዊ መረፃ ተአማኒ፣ ሰላማዊን ፍትሓዊን ንኽኸውን ግደ ደቂ ኣንስትዮ ዕዙዝ ክኸውን ከምዝግባእ ኣገንዚበን።

ኣብ ክፍለ ከተማ ኣቃቂ ቃሊቲ ኩለመዳይ ምንቅስቓስ ደቂ ኣንስትዮ ተኻይዱ፡፡

ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸባ ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ፥ “ፓርቲ ብልፅግና ንኢትዮጵያ ህዝባን ካብ ድኽነት ብምንጋፍ ምዕባለ ኢትዮጵያ ንምርግጋፅ ክሰርሕ ኢዩ” አለን፡፡

ኣብ ዝካየድ ሃገራዊ መረፃ፥ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ክረጋገፅ ከምዝግባእ እውን ገሊፀን፡፡

ኣብቲ መድረኽ ካብ 13 ወረዳታት እቲ ክፍለ ከተማ ዝተውፃእፅኣ ኣባላትን ደገፍቲን ደቂኣንስትዮ ፓርቲ ብልፅግና ከምኡ እውን ነበርቲ እቲ ክፍለ ከተማን ተረኺበን፡፡

ብዘቢብ ተኽላይ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.