Fana: At a Speed of Life!

መበል 13 ውድድር ፀወታታት ኣፍሪካ ሎሚ መዓልቲ ብዕሊ ክኽፈት ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ጋና ዝካየድ መበል 13 ውድድር ፀወታታት ኣፍሪካ ስነ-ስርዓት መኽፈቲ ኣብ ኣክራ ኣብ ዝርከብ ስታዲየም ዩኒቨርሲቲ ስፖርት ጋና ክካየድ ኢዩ።

ኣብቲ ስነ-ስርዓት ፕሬዚዳንት ጋና ናና ኣኩፎ ኣዶ፣ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ሊቀ መንበር ሙሳ ፋኪ ማህማት፣ ኣብ ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ኮሚሽነር ጉዳያት ልምዓት ጥዕና፣ ሰብኣዊን ማሕበራዊን ኣምባሳደር ሚናታ ሳማቴ ሴሱማን ካልኦት ኣመራርሓታት እቲ ኮሚሽንን ክርከቡ ኢዮም ተባሂሉ፡፡

ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ክሳብ 14 መጋቢት ዝፀንሕ እቲ ውድደር ኣብ ሰለስተ ከተማታት ጋና ማለት እውን ከተማታት ኣክራ፣ ኩማሲን ኬፕ ኮስትን ከምዝካየድ ተሓቢሩ፡፡

ኣብቲ ውድድር ልኡኽ ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ኣቐዲሙ ናብ ኣክራ ብምእታው ዝተፈላለዩ ምድላዋት እናገበረ ይርከብ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.