Fana: At a Speed of Life!

መበል 33 ጉባኤ መራሕቲ ሃገራት ሕብረት ኣፍሪካ ሎሚ እውን ይቕፅል ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 02 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ትማሊ ኣብ ኣዲስ ኣበባ መስላጥ ዝጀመረ መበል 33 ስሩዕ ጉባኤ መራሕቲ ሃገራት ሕብረት ኣፍሪካ ሎሚ መዓልቲ እውን ይቕፅል ኣሎ።

እቲ ስሩዕ ጉባኤ፥ “ጎንፂን ኲናትን ብምዕጋት ንልምዓት ኣፍሪካ ምዕሩይ ሃዋህው ምፍጣር!” ብዝብል መሪሕ ቓል ኢዩ እናተኻየደ ዝርከብ።

ልዕሊ 30 ፕሬዚዳንታት ሃገራት ኣፍሪካ፣ ቀዳማይ ሚኒስትራት፣ ሚኒስትራት ጉዳያት ወፃኢ ኣርባዕተ ሃገራትን ምክትል ፕሬዚዳንታትን ኣብቲ ጉባኤ ይሳተፉ ኣለዉ።

ኣብ መኽፈቲ እቲ ጉባኤ፥ ንዝሓለፈ ሓደ ዓመት ግዝያዊ ኣዶ መንበር ዝነበረት ግብፂ ሓላፍነታ ንደቡብ ኣፍሪካ ኣረኪባ ኣላ።

ነዙይ ስዒቡ ድማ ፕሬዚዳንት ደቡብ ኣፍሪካ ሲሪል ራማፎሳ ነቲ ጉባኤ ብኣቦ መንበርነት እናመርሑዎ ይርከቡ።

ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ሙሳ ፋቂ ማሃማት ኣብ መኽፈቲ እቲ ጉባኤ ኣብ ዘስምዑዎ ዘረባ፥ ዓመተ 2019 ኣብ ሰላምን ፀፅታን ኣፍሪካ ዝሐሸ ኣፈፃፅማ ከም ዝተመዝገበ ገሊፆም።

ይኹን እምበር ሕዚ እውን ብዕቱብ ክስረሐሎም ዝግብኡ ብዙሓት ጉዳያት ከምዘለዉ ኣተሓሳሲቦም።

ኮሚሽነር ሙሳ ፋቂ ማሃማት፥ ኣሜሪካ ንሰላም ማእኸላይ ምብራቕ ብዝብል ዘውፀአቶ ትልሚ ዝኾነ ይኹን ኣካል እንተይዘተየሉ ዝቐረበ ብምዃኑ ሕብረት ኣፍሪካ ከምዘይቕበሎ ገሊፆም።

እቲ ትልሚ ሕጊ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዝጠሓሰን ብሕብረት ኣፍሪካ ተቐባልነት ዘይብሉን ኢዩ እውን ኢሎም።

ቻይና ንዘጋጠማ ለበዳ ሕማም ቫይረስ ኮሮና፥ እቲ ሕብረት ኣብ ጎና ከምዝኸውን እውን ሙሳ ፋቂ ማሃማት ኣብ መኽፈቲ መደረኦም ኣፍሊጦም።

እቶም ኮሚሽነር፥ ንሓዱሽ ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪካ እዚ ዓመት ፕሬዚዳንት ደቡብ ኣፍሪካ ሲሪል ራማፎሳን ንተሸላሚ ኖቤል ሰላም ዓመተ 2019 ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድን እንኳዕ ኣሐጎሰኩም ኢሎምዎም።

ሎሚ መዓልቲ ክዛዘም ኢዩ ተባሂሉ ትፅቢት ዝግበረሉ መበል 33 ስሩዕ ጉባኤ መራሕቲ ሃገራት ሕብረት ኣፍሪካ፥ ምስ መሪሕ ቃሉ ዝተትሓሓዙ ዝተፈላለዩ ውሳነታት ከሕልፍ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ብተወሳኺ ኣፈፃፅማ ኣጀንዳ 2063 ዝርከበሉ ብርኪ ብዝምልከት ዝተዳለወ ኣህጉራዊ ፀብፃብ ክግምግም ኢዩ ተባሂሉ።

ኣብቲ ጉባኤ ዋና ፀሓፊ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣንቶኒዮ ጉቴሬዝ ሓዊሱ ሓለፍቲ ዝተፈላለያ ኣህጉራዊን ዓለም ለኻዊን ትካላትን መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለምን ተረኺቦም ኢዮም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.