Fana: At a Speed of Life!

መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘላቒ ሰላም ንምምፃእ ዝኸዶ መገዲ ዝድገፍ ከምዝኾነ እስራኤል ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብማሳደር ኢትዮጵያ ኣብ እስራኤል ረታ ኣለሙ ምስ ኣማኻሪ ፖሊሲ ጉዳያት ወፃኢ ፕሬዚዳንት እስራኤል ኣምባሳደር ዚቪ ቪፒኒ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ኢትዮጵያን ኣብ ክልተኣዊ ርክባትን ኣድሂቦም ተዛቲዮም።

ኣምባሳደር ረታ ኣብቲ እዋን ዘተ፥ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ብፍላይ ግብረ ራዕዲ ህወሓ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ዝፈፀሞ ግፍዒ ኣብሪሆም።

መንግስቲ ኣብዚ ሕዚ እዋን ንፖለቲካዊ መፍትሒን ሰላምን በሩ ክፍቲ ብምግባር፣ ንኹሉ ዝሓቁፍ መድረኽ ዘተ ንምጅማር ኩነታታት ንኽመዓራረዩ እናገበረ ከምዝኾነ እውን ገሊፆም።

ኣምባሳደር ዚቪ ብግደኦም፥ እስራኤል ከም ፈታዊት ሃገር ሰላምን ምርግጋእን ኢትዮጵያ ከምትደሊን ቅዋም መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዝርድኡ ብምግላፅ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘላቒ ሰላም ንምምፃእ ዝኸዶ መገዲ ዝድገፍ ከምዝኾነ ፀሪሖም፡፡

መንግስቲ እስራኤል እውን ኣድላዪ ኣብ ዝኾነ መገዲ ንኢትዮጵያ ሓገዝ ከምዝገብር ካብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ እስራኤል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.