Fana: At a Speed of Life!

መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ፃውዒት ክተት ብምቕባል ኣብ ከተማ ደብረብርሃን ህዝባዊ ናይ ድጋፍ ሰልፊ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሓምለ፣ 2013 ዓ.ም(ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ፃውዒት ክተት ብምቕባል ኣብ ከተማ ደብረብርሃን ህዝባዊ ናይ ድጋፍ ሰልፊ ተኻይዱ።
እቶም ሰልፈኛታት ዝተፈላለዩ ጭርሖታት ብምሓዝ ኢዮም ሰልፎም ኣካይዶም።
️ልፈኛታት ካብ ዘስምዕዎም ጭርሖታት፥ ባንዳ ሃገር ከፍርስ ኣይንፈቅድን፣ ️ተደሚርና ዘይንስዕሮ ፀላኢ ዘይንረኽቦ ዓዎት የለን፣ ኣብ ልዕሊ ኣምሓራ ዝወራረድ ሓደ ሒሳብ የለን፣️ እንዋጋእ ንህልውናናን ሃገር ንምድሓንን እዩ️፣ ህወሓት ካብ ማህፀን ኢትዮጵያ ዝወቐለ መርዛም ተኽሊ ስለዝኾነ ተሓባቢርና ንንቀሎ፣️ ኢትዮጵያ ንምፍራስ ዝምነዩ ኩሎም መወዳእትኦም ውድቀት እዩ፣ ትንሳአ ኢትዮጵያ ብተንኮልን ሽርሕን ኣይተዓናቐፍን ️፣ ጁንታ ህወሓት ናይ ኩሉ ብሄር ብሄረሰብ ፀላኢ እዩ ዝብሉ ይርከብዎም።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.