Fana: At a Speed of Life!

መዓልቲ ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ምኽንያት ብምግባር ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ፌስቲቫል ባህሊ ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 25 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል 17 መዓልቲ ብሄር፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ምኽንያት ብምግባር “ሕብረ ብሄራዊ ሓድነትና ንዘላቒ ሰላምና” ብዝብል መሪሕ ቃል ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣደባባይ መስቀል ፌስቲቫል ባህሊ ይካየድ ኣሎ፡፡

ኣብቲ ፌስቲቫል ባህሊ ናይ ኩሎም ብሄር ብሄረሰቦትን ህዝብታትን ዝውክሉ ተሳተፍቲ ተረኺቦም ፡፡

ናይ ዝተፈለለዩ ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ባህላዊ ምግብታት ፤ኣልባሳትን፤ ባህላዊ ትልሂታትን ይቐርብ ኣሎ፡፡

ኣብቲ ፌስቲቫል ሓልፍቲ ስራሕ መንግስቲ፤ ነበርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ፃውዒት ዝተገበረሎም ዕዱማ ኣጋይሽን ከምዝተረኸቡ ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ፀብፂቡ፡፡

መበል 17 መዓልቲ ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ብብርኪ ሃገር ሕዳር 29 2015 ዓ/ም ኣብ ክልል ሲዳማ ከተማ ሃዋሳ ክኽበር እዩ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.