Fana: At a Speed of Life!

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ክታበት ቫይረስኮሮና ንምጉዕዓዝ ዘኽእል ምድላዉ ዛዚሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ህዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ክታበት ቫይረስኮሮና ንምጉዕዓዝ ዘኽእል ምድላዉ ከምዝዛዘመ ኣፍሊጡ።

እቲ ክታበት ንምጉዕዓዝ ሳይናው ምስ ዝተብሃለ ትካል ኣሊባባ ብሽርክና ይሰርሕ ከምዘሎ ተገሊፁ።

እቲ ክታበት ደረጅኡ ብዝሓለወ መዝሓሊ ብምንባር ኣብ ሓደ ሰሙን ክልተ ጊዜ ካብ ሼንዘን ናብ አፍሪካ ከምኡውን ብኣዲስ ኣበባን ዱባይን ገይሩ ናብ መላእ ዓለም ከምዘከፋፍል ተገሊፁ።

ዓለም ለኸ ማሕበር መጓዓዚያ ኣየር ኣብ ቻይና ኣገልግሎት ሎጂስቲክስ መድሓኒት ነክህቡ ፍቓድ ካብ ዝሃቦም ኣርባዕተ መዕርፎ ነፈርቲ፥ ሼንዘን መዕርፎ ነፈርቲ ሓደ ኢዩ።

ኬኒዎስ ስማርት ሎጂስቲክስ ኔትወርክ ሓደ ኣካል ኣሊባባ ግሩፕ እንትከውን፥ ምስ መገዲ ኣየር ኡትዮጵያ ብምትሕብባር ኣገልግሎት ምጉዕዓዝ መድሓኒት ከህብ ኢዩ ተባሂሉ።

ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣይተ ተወልደ ገብረማሪያም፥ እቲ መገዲ ኣየር ዝወነኖ ዘኹርዕ ዓለም ለኻዊ ዓወት መሰረት ብምግባር ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ናውቲታት መከላኸሊ ኮቪድ 19 ከምዘጎዓዓዘ ኣፍሊጦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል  FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.