Fana: At a Speed of Life!

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ 10ይ ቦይንግ ናይ ፅዕነት ኣውሮፕላን ኣእቲዩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 28 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ 10ይ ቦይንግ (Boeing 777-200LR) ናይ ፅዕነት ኣውሮፕላን ከምዘእተወ ኣፍሊጡ፡፡

እቲ መገዲ ኣየር ዘእተዎ ዘበናዊ ናይ ፅዕነት ኣውሮፕላን በዓል ክልተ ሞተርን ልዕሊ 100 ቶን ፅዕነት ናይ ምሽካም ዓቕሚ ዘለዎ ኢዩ ተባሂሉ።

መፍለዪ ምዝገባ ኣውሮፕላናት እቲ መገዲ ኣየር ብ’A’ ፊደል እናጀመረ ዝነበረ እንትኸውን÷ መፍለዪ ምዝገባ እቲ ሓዱሽ ኣውሮፕላን ግን ብB ብምጅማርን ET-BAA ዝብል ስያመ ብመሓዝ ኣብ ሓዱሽ ምዕራፍ ኣውሮፕላን ከምዝተኸፈተ እቲ መገዲ ኣየር ኣፍሊጡ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.